ኤርትራ ተጠቃሚት ኣቶሚካዊ ጸዓት ንምዃን ዘኽእላ ስምምዕ ፈሪማ

Radio Erena: 22 September 2019

ኤርትራ ተጠቃሚት ኣቶሚካዊ ጸዓት ንምዃን ዘኽእላ ስምምዕ ምስ ትካል ኣህጉራዊ ኣቶሚካዊ ጸዓት ስምምዕ ፈሪማ።

እቲ ስምምዕ ብዕለት 19 መስከረም ዝተፈረመ ክኸውን እንከሎ፣ ብወገን ኤርትራ ኣቶ ዓብደልቃድር በክሪ ሓምዳን፣ ብወገን ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ከኣ ምኽትል ዳይረክተር ጀነራል’ቲ ትካል ዳዙ ያንግ ክታሞም ከምዘንበሩሉ ተገሊጹ።

እዚ ካብ 2019 ክሳብ 2023 ዝጸንሕ ብ’Country Program Framework‘ ዝፍለጥ ስምምዕ፣ ተክኒካዊ ምትሕብባርን ኑክለራዊ ጸዓት ንምስግጋር ቀዳምነታት ዝግበኦም ጽላታት ኣብ ምልላይ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ወግዓዊ ልሳን’ቲ ትካል ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ዕላማ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት፣ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንህንጸት ሃገር ዘድልየን መደባትን ሸቶታትን ኣብ ምልላይ ዝሕግዝ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ስምምዕ ብወገን ኤርትራ ቀንዲ ኣተኩሮ ተዋሂቡዎ ዘሎ፣ ኑክሌራዊን ናይ ጸርጊ ወይ ራድየሽን ድሕነት፣ መግብን ሕርሻን፣ ሰብኣዊ ጥዕና፣ ምምሕዳር ሃብቲ ማይ፣ መደባት ጸዓት፣ ከምኡ’ውን ኣከባብያዊ ማያትን ገማግም ባሕሪን ምዃኖም ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኤርትራ ካብ 2002 ዓመተ ምህረት ኣትሒዛ፣ ኣባል ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ሙዃና ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    bardavidi 5 years ago

    You know why…..They forgot to include Fillipos,Manjus and hagos Kisha in the agreement……These are all the private Enterprenuers in Eritrea….Without their private Interest there is no more Business left in Asmara…..It makes sense…….Selah