“ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ብዋጋ ህይወት ግብጻውያን ክኸውን የብሉን።”ሚ/ጉ/ወጻኢ ግብጺ

Radio Erena: 23 September 2019

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ብዋጋ ህይወት ዜጋታት ግብጺ ክኸውን የብሉን ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ሳምሕ ሹኩሪ ገሊጹ።

ንሱ፣ ምስ ኣል ሞኒተር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ጉዳይ ናይል፣ ንግብጺ ናይ ሞትን ህይወት’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ብዋጋ ህይወት ዜጋታት ግብጺ ክኸውን ዝቕበሎ ወገን ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ናብ ግብጺ ዝፈስስ ወሓዚ ናይል ከጉድሎ ስለዝኾነ፣ ኣስታት 100 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ሓደጋ ከንጸላልዎም ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ናይ ናይል ፕሮጀክት፣ ንኢትዮጵያን ግብጽን ብዘይሃሲ መልክዑ ብባንክ ዓለም ተጸኒዑ ክቐርብ ግብጺ ኣቐዲማ ከምዝሓተተ ዝገለጸ ሚኒስተር ሹክሪ፣ 95% ክፋል ግብጺ ንቁጽ በረኻ ስለዝኾነ፣ እንኮ ዘሎና ኣማራጺ ናይል ጥራይ ምዃኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣለዎም ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተኻየደ ዝርርባት ፍረ ከምዘይተረኽቦ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብግብጺ ዝቐረበ እማመታት ከምዝነጸገት ዝዝከር’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0