ፕረዚደንት ካሜሩን፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ መበል 40 ዓመት ጸንቢሉ

Radio Erena: 08 November 2022

ፕረዚደንት ካሜሩን፣ ፖል ቢያ፣ ኣብ ስልጣን ዝመጽኣሉ መበል 40 ዓመት፣ ብ06 ሕዳር ጸንቢሉ።

እቲ ወዲ 89 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት፣ 40 ዓመታት ንካሜሩን መሪሑዋ ከብቅዕ፣ ንዝመጽእ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ኣብ ዝነበረሉ ምርጫ፣ ስልጣን ናይ ምስግጋር መደብ ከምዘይብሉ ‘ዩ ዝግለጽ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ን43 ዓመታት ስልጣን ብምብሓቱ፣ ኣብ ቀዳምይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ፣ ወዲ 79 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴድዮር ኦብያንግ ንጌማ ማሳጎ’ዩ።

ንፕረዚደንት እኳትሮርል ጊኒ ስዒቡ፣ ኣብዚ ሳልስቲ መበል 40 ዓመት ስልጣኑ ዘብዓለ ፕረዚደንት ካሜሩን፣ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ ኣሎ።

ብምንዋሕ ዕድመ ስልጣን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይ ደርጃ ሒዙ ዝርከብ፣ ንኮንጎ ብራዛቪል ን38 ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 78 ዓመት፣ ፕረዚደንት ደኒ ሳሱ ንጌሶ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሚሴቬኒ ድማ ን36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ ራብዓይ ኣሎ።

ወዲ 18 ዓመት እንከሎ፣ ኣብ 1986 ስልጣን ካብ ወለዱ ተረኪቡ ስዋዚላንድ ንእትብሃል ዝነበረት ሃገረ ኤስዋቲኒ ን36 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳይ’ውን ብፕረዚደንት ኡጋንዳ ብሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ተበሊጹ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዎ መራሕቲ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሕዎ ብዝሒ ዓመታት፣ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

ኣብዛ ኣህጉር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዘመን፣ እቲ ዝነውሕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ፣ ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለስላሴ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ 1974 ብስርዓት ደርግ፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ክሳብ ዝእለ ነታ ሃገር ን44 ዓመታት መሪሑዋ።

ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር፣ ፕረዚደንት ሊብያ ነበር ሙዓመር ቐዛፊ፣ ድሕሪ ሞቱ ስልጣኑ ወዱ ዝተረከቦ፣ ፕረዚደንት ጋቦን ነበር፣ ዑመር ቦንጎ፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያ ጊኒ፣ ቴድዮር ኦብያንግን ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያን’ዮም።

ፕረዚደንት ዚምባቤዌ ነበር፣ ሮበርት ሙጋበ፣ 37 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር፣ ኤድዋር ዶ ሳንቶስ፣ 38 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር 30 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ቻድ ነበር እድሪስ ደቢ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ከምዝጸንሑ ሰነዳት የረጋግጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ርሰቲ እዩሰልጣን አይኮነንን ናይ አፍሪቃ መራሕቲ ሕልና ዝበሠል የብሎምን