ወትሃደራውያን መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣብ ናይሮቢ ዘተ የካይዱ ኣለዉ

Radio Erena: 07 November 2022

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ካብ ሰኑይ 07 ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ኬንያ፣ ከተማ ናይሮቢ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፣ ጀነራል ታደሰ ወረደን፣ ብመንጎኝነት ሸምገልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ኡሁሩ ኬንያታን ዝገብርዎ ዘለው ዘተ ክሳብ ሓሙስ 10 ሕዳር ክቕጽል’ዩ።

ርክብ ክልቲኦም ወትሃደራውያን መራሕቲ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ኮይኑ፣ ኣብ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ዝርዝራቱን ኣተገባብርኡን ዘድሃበ ምዃኑ ‘ዩ ተመልኪቱ።

እቲ ዘተ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህዝቢ ብዘይዕንቕፋት ንኽባጻሕ፣ ክልቲኦም ወገናት ንክተሓባበሩ ዘኽእል ናይ ርክብ መስመር ንምፍጣር ዝሕዝግ’ዩ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ እቲ ዘተ ኣብ ዝተጀመረሉ፣ ‘ካብ ፕሪቶርያ ቀጺልና ኣብ ናይሮቢ ተራኺብና ኣሎና። ስዒቡ ድማ ኣብ መቀለ ተራኺብና፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጽምንባል ከነካይድ ተስፋናን ጸሎትናን’ዩ።’ ክብል ገሊጹ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ብሓጎስ ተቐቢልዎ እኳ እንተሎ፣ ‘ምፍታሕ ዕጥቂ’ ኣብ ዝብል ነጥቢ፣ ብወገን ተወላዶ ትግራይ ብዙሕ ስክፍታታትን ሻቕሎትን ኣለዓዒሉ ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝውሕዝ ዘሎ ርእይቶታት የነጽር።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0