ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዕድመ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 13 June 2019

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዕድመ ኣቕሪብሉ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዕድመ ዘቕረበ፣ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኢብራኢም እድሪስ፣ ትማሊ ሮቡዕ 12 ሰነ ምስ ኣቦ መንበር ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዝግበሮ ርክብ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዝዕድም ዘሎ፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ምስ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ብሓባር፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ዘተ ከምዝተመልሰ ኣብ ዝተሓበረሉ እዋን’ዩ።

ንግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድግፍ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ንመርገጺታት ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዝጻረር ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዘሰጋገር ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ገሊሉዋ ይርከብ።

እዚ ብኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ደገፍ ረኺቡ ዘሎ ስጉምቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ኤርትራን ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

እዘን ሃገራት ዓረብ ምስዚ ወትሃደራዊ ጉጅለ ከምዘለዋ ንምርግጋጽ ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝን ፖለቲካዊ ደገፍን ክገብራሉ እንከለዋ፣ ኤርትራ ብወገና፣ ንመርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝነቕፍ ወግዓዊ መግለጺ ምዝርግሓ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Fidel P 5 years ago

    This dictator is going to put Eritrea on another sanction just because he wouldn’t stop dealing in neighbors affairs. Last time it was Somalia/Ethiopia now it es Sudan. Can someone tell our dictator to mind his business