ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ኣሲሮም

Radio Erena: 13 June 2019

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ከምዝኣሰሩ ተሓቢሩ።

እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መነኩሳት፣ ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን፣ ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ፣ ኣባ ኪዳነ ማርያም ተኸስተ፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ዘሚካኤል፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ተወልደመድህን ምዃኖም ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣባ ክብራብ ተኪኤ ኣቐዲሞም’ውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ’ዮም።

ጠንቂ ምእሳር እዞም፣ ሰለስተ ካብ ኣቶም ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 70ታት ዝርከቡ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን፣ ምስቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኣብ ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታውን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ብቴሌፎን ዝሃቡና ዝርዝራዊ መብርሂ ስዒቡ ይቐርብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 7
  • comment-avatar
    እስቲፋኖስ ተወልደ ሃብተ 5 years ago

    መንግስቲ አብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ከቢድ ገበን ፈጺሙን ይፍጽምን አሎ። ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ! ኢሳያስን ብጾቱን ናብ ሕጊ ይቕረቡ።

  • comment-avatar
    ተስፋገብሬኤል 5 years ago

    ሎሚ ልዕሊ ማንም እዋን ኣብ ጎድኒ ህዝብና ጠጠው ብምባል ዝከኣለና ክነበርክት ንኩሉ ኤርትራዊ በዓል ሕልና ንጽባሕ ዝይበሃል ዕማም ዩ ዘለና

  • comment-avatar
    Habtemariam bahlbi 5 years ago

    ስርዓት ህግደፍ ከይ ጠፈአ ሃይማኖትና ሰላም ኣይረክብን ዩ

  • comment-avatar
    ኤቨን ኢዮብ 5 years ago

    ሰላም ኣምላክ ምሳኩም ይኩን ኣባ ሰመረኣብ

    ብጣዕሚ ጽቡቅ ሓበሬታ እዩ እግዚኣብሔር ኣምላክ ምስቶም ኣቦታትና ይኩን ሓይሊ ጸላኢ የድክመልና ብምቅጻል ንቀጻሊ ከምዚ ሓበሬታ ከተምጹልና ይላቦ ብዛዕባ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ ዝኮነ ከተምጹልና ብዘይካ ደብረ ቢዘን እቶም ካልኦት ገዳማት ከ እንታይ ይብላ ኣለዋ ዝኮነ ሓበሬታ ካባኩም ብምንታይ ክንረክብ ብክእል

    ኣጆኩም ኣቦና ንበርትዕ ኩልና ኣብ ጸሎትኩም ድማ ዘክሩና

  • comment-avatar
    ተስፊልደት 5 years ago

    ስራሕ ህግደፋውያን ድኣ እንታይ ትደልዩ ። ወረ ገና ገለ ክንሰም ዒና።     

  • comment-avatar
    ተስፋየሱስ 5 years ago

    ኣንቱም ሰባት ኤርትራ ፍጹም ኣብ እምነት ይኹን ሕጊ ኣልቦ ዶ ትኸይድ የላን፧

  • comment-avatar
    በርየ 5 years ago

    ዓገብ ኣቦታትና ክእሰሩ ኣይግባእን