Radio Erena: Friday, 16 February 2024
ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ጣይብ ኤርዶዋን ናብ ግብጺ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ብረቡዕ 14 ለካቲት ናብ ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ግብጻዊ መዘንኡ ድሙቕ ኣቐባብላ ጌርሉ።
መራሒ ቱርኪ ናብ ግብጺ ክበጽሕ ኣብዚ ልዕሊ 10 ዓመታት እዚ ንመጀመርያ‘ዩ።
ኣብዚ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ርክብ መራሕቲ ግብጽን ቱርኪን ኣብ ካይሮ፡ ክልትኤን ሃገራት ዝጸንሐን ዝሕቱል ዲፕሎማሲ ከመሓይሻ፡ ዘለወን ንግዳዊ ልውውጥ ናብ ልዕሊ 15 ቢልዮን ዶላር ከዕብያን፡ ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ድማ ተሪር መርገጺ ክሕዛን ኣብ ዝብል ነጥብታት ‘ዮም ዘትዮም።
ብጉዳይ ምድጋፍ ‘ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሕውነት ኣስላም‘ እዘን ክልተ ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምስሕሓብ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ቱርኪ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ትድግፍ‘ያ ብዝብል፤ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ‘ውን ይኹንናኣ‘የን።
=============
COMMENTS