ግብጺ ዝመደበሩ ማሕበር፣ ኣብ ኤርትራ ዝተኽሎ ዘሎ 4 ሜጋዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ክዛዝሞ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 01 May 2019

ማሕበር ዓረብ ንኢንዱስትርያዊ ምዕባለ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ዝተኽሎ ዘሎ፣ 4 ሜጋዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክዛዝሞ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ግብጺ ዝመደበሩ ማሕበር፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ፣ ኣብ ክልተ መደበራት ዝቖመ ኮይኑ፣ ኣብቲ ቀዳማይ ሓደ ኪሎዋት ኣብቲ ካልኣይ ድማ ሰለስተ ኪሎዋት ሓይሊ ኤሌክትሪ ከመንጩ ምዃኑ ዳይሊ ኒስ ዝተባህላ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ በዚ ማሕበር ዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት፣ ከም ኣካል ናይቲ ግብጺ ናይል ንዘዋስነን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጸዓት ንምሕጋዘን ዝወሰደቶ ተበግሶ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሓገዝ ቻይና፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ማሕበር ዓረብን ካልኦት ለገስቲ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ገጠራት ጸሓያዊ ጸዓት ናይ ምትካል መደባት ይሰላሰል ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከባ ዓድታት ማይድማን ዓረዛን፣ ብምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝተተኽለለን ጸሓያዊ ጸዓት፣ 40 ሽሕ ነበረተን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ክኢሎም’ዮም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    I dont think your media is free

  • comment-avatar

    We have heard such news so many times over the twenty years. They are all designed by isaias afewerk and co. to deceive and mislead the Eritrean people into sleep while they are being driven to the slaughter-houses. Therefore, Erena, please beware that by propagating such matters, you are assisting the atrocious group buy time to realize their evil dream. At this juncture of our struggle, please involve yourself on matters that expose the hideouts of this evil group. Thank you!!