1 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ብደረጃ ዓለም ይዝከር

Radio Erena: 01 May 2019

ባሕቲ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ኩባን ሰሜን ኮርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰልፍን ካልእ ንጥፈታትን ዝዝከር ደኣ ይኹን’ምበር፣ መሰል ሰራሕተኛታት ዘይክበረለን ምዃነን ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ኣብ ኤርትራ መሰል ሰራሕተኛታት ኣይክበርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም መልዕሎ ወይ ጥሮታን ውሕስነት ስራሕን ዝኣመሰል ማሕበራዊ ድሕነት ሰራሕተኛታት’ውን ጠቕሊሉ የለን።

እቲ መሰል ሰራሕተኛታት ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) ከምቶም ካልኦት ጥብቆ ኣካላት ህግደፍ፣ ንረብሓ ናይቲ ስርዓት ዘገልግል ብምኳኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቕ ናጻ ኣካል ከምዘየለ ይፍለጥ።

ብዓቢኡ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ሰራሕተኛታት ዳርጋ ብምሉኦም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ፣ብዘይድሌቶም፣ ብውሑድ ክፍሊት፣ ኣብ ዘይመርጽዎ ሞያን ውትህድርናን ዝተታሕዘ’ዮም።

ብሰንኪ እዚ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መንእሰያት ኣብ ዝመረጽዎን ዘድምዕሉን ሞያ ክሰርሑ ኣብ ኤርትራ ዝኾና ባይታ ከምዘይብሎም’ዮም ዘማርሩ።

እዞም መንእሰያት፣ ብሞያ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ዘይብሉ ሃዋሁ መጻኢኦም ክርእዩ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሎም፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምልክን ተደማሚሩ፣ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም ይግለጽ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0