RADIO ERENA – Thursday, 07 March 2024
ኩባንያ ቻይና፣ ኣብ ከባቢ ደቐምሓረ 30 ሜጋ ዋት ዘመንጩ ናይ ጸሓይ ጸዓት ንምትካል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስምምዕ ከቲሙ።
እቲ ሻንግዚ ህንጻ ሓይሊ ኤልክትሪክን ጸዓትን ዝተባህለ ናይ ቻንያ ኩባንያ፣ ኣብ ምህናጽ ናይ ጸሓይ ጸዓትን ምኽዛኑ ዘተኮረ ፕሮጀክት ኣብ ኤርትራ ንምስልሳል፣ ብ28 ለካትት ነቲ ውዕል ከምዝኸተሞ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ኣረጋጊጹ።
እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዓይነይ ኣብ ጸዓት ዘተኮረ ግዙፍ ውፍሪ ካብ ዝውንኑ ናይ ወሻኢ ትካላት ናይ መጀመርያ ምዃኑ‘ዩ ጠቒሱ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽትን፣ ኣብ ኤርትራ ናይ 30 ሜጋዋት ናይ ጸሓይ ጸዓት ክምውሉ ምዃኖም ክገልጹ ጸኒሖም‘ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት‘ውን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመወሎ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ኣብ ዞባ ደቡብ፣ ከባቢ ዓረዛ ከምዝተተኽለ ይዝከር።
=================
COMMENTS