ዝበዝሑ ተጻወቲ ሃገራት ጋንታ ኤርትራ፣ ብዋሕስ ናብ ናሚብያ ምጋሾም ተገሊጹ

Radio Erena: 10 September 2019

ኣብ ገዛእ ሜዳኣ፣ ብናሚብያ 2 ብ1 ዝተሳዕረት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ሎሚ 10 መስከረም ኣብ ናሚብያ ናይ መልሲ ግጥም ከተካይድ’ያ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዊንድሆክ፣ ስታድዮም ሳም ንዮማ እተካይዶ ግጥም፣ ካብ ሽወደን፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣብ ወጻኢ ዝምቕማጦም 14 ተጻወቲ እኳ ኣንተጸንበረት፣ እቶም ኤርትራ ዝምቕማጦም ተጻወቲ ግና ናብ ናሚብያ ክገሹ፣ ዋሕስ ከምዘድለዮም፣ ምስ ኩዕሶ እግሪ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ግጥም ኣብ ዝገሽሉ፣ ዋሕስ ክሕተቱ ከም ንቡር ተወሲዱ’ዩ ዝበሉ እቶም ወገናት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ናቕፋ ወይ ድማ ዋንነት ገዛን ትካላትን ከም ዋሕስ ከምዝቐርብ ይጠቕሱ።

ብኣግማል ቀይሕ ባሕሪ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ፣ ዋላ’ኳ ተጻወታ ብዋሕስ ዝገሹ እንተነበሩ፣ ካብ ምህዳም ግና ዝገትኦም ኣይነበረን።

ኣብ ጥቅምቲ 2015 ኣብ ቦትስዋና ድሕሪ ዘጋጠመ ህድማ መላእ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ግና፣ እታ ጋንታ ካብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ግጥማት ቦኺራ’ያ ጸኒሓ’ያ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ሎሚ ንፈለማ እዋና ናብ ናሚብያ ገይሻ ኣላ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ፣ ካብ ነቲ ዝነበራ ናይ 2ብ1 ስዕረት ኣሕውያ፣ ብ2 ሸቶ ጸብለልታ ተዓዊታ ናብ ዝቕጽል ናይ መጻረዩ ዙርያታት ክትሓልፍ ዘሎ ትጽቢት ንላዕሊ፣ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥም ዝብል ስግኣት’ዩ ዓብሊሉ ዘሎ።

“ኤርትራ፣ ብ4 መስከረም፣ ኣብ ሜድኣ፣ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ደገፍታ ዘርኣየቶ ትሑት ብቅዓትን ስዕረትን፣ ውጽኢት ናይቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዞባዊን ኣህጉራውን ግጥማት ምብኳራ ምኻኑ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    ስፖርትን ፖለቲካን ምፍልላይ ድዩ ኣብይኩም?
    ንምንታይ ኢኹም ንፖለቲካ ኤርትራ ከተነኣእሱ ኢልኩም፡ ንኽእለት ስፖርተኛታት ኤርትራውያን ተከሻምሽዎምን ተነኣእስዎምን። ንሶም ዝክኣሎም ይጽዕሩ ከምዘለዉ ኣብግምት ከየእተኹም ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዘለኩም ጽልኢ ክተውጽእሉ ጥራይ ምፍታንኩም ነቶም መናእሰያት ዘለኩም ሰነፍ ኣረኣእያ ዘመስክር እዩ። እምበር እዚ መዓልታዊ ንኤርትራ ከተጸልሙ ከተጋውሕዎ ትውዕሉ ዘለኹም ከም ዘረባ ጽሉላት ለሚድናዮስ ክንዘናግዓሉ ካብ ንጅምር እዋን ሓሊፉ እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ፡ እዚ ናትኩም ናይ ብቱኻት ሕልና ወረ ኣይኮነን ናይ በዓል ኣልጀዚራን ሲ.ኤን.ኤን. ወረ ከማን ኣይዓጠናን እዩ

  • comment-avatar
    Nsun Edlun 5 years ago

    ብገንዘብ ተኮይኑ ንኤርትራ ይትረፋ ከም መድሃኒት ናይ ጽሕፈት መሳሪሒታት ግን ኣይምተጸልአን።