ሕ/ሃ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ናይ 75 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ምወላ ክገብር’ዩ

Radio Erena: 10 September 2019

ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሸሞንተ ሃገራት፣ ናይ 75 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ምወላ ክገብር ምዃኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እተን ተረባሕቲ ናይዚ ህጹጽ ምወላ ዝኾና ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካሜሩን፣ ባንግላዲሽ፣ ኣፍጋንሲታንን ቬኔዙዌላን’የን።

እቲ ምወላ፣ ህይወት ኣብ ምድሓን ዘገድሱ መድሃኒታትን ክታበትን፣ ብጥሜትን ዓጸቦን ንዝተጠቕዑ ቆልዑ ዝውዕል መኣዛዊ መግብታትን፣ ኣብ ቀረባት ማይ ኣብ ዝኣመሰለ፣ ህጹጽ መደባት ክውዕል ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣብ ቅልውላው ንዝርከባ ሃገራት ዓለም ዝውዕል ናይ 125 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ምወላ ሰሊዑ’ዩ።

እዘን ተጠቐምቲ ናይዚ ህጹጽ ምወላ ዝኾና ኤርትራ እትርከበን ሃገራት፣ ብሰንኪ ዘይብቑዕ ምሕደራ መንግስቲን ሰብ ኣምጽኦ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን፣ ንዝተፈላለየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓልዓ’የን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0