RADIO ERENA:-: Tuesday , 27 February 2024
ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዙር ርዋንዳ፡ መበል 16 ውድድሩ፡ ብ25 ለካቲት ኣብ ዝዛዘመሉ፡ ኤርትራ ብደረጃ ጋንታ ቀዳማይ ቦት ሒዛ።
ኣብዚ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ፕሮኮንቲነንታል ቲም Israel Premier Tech Academy፡ እንግሊዛዊ Joseph Blackmore ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን እንክሎ፡ ካብ ኤርትራውያን እቲ ዝሓሸ ውጽኢት ዘመዝገበ ድማ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም Bike – Aid ዳዊት የማነ ኮይኑ ዓስራይ ደረጃ‘ዩ ሒዙ።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ደረጅኡ ካብ 2.2 ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ንደሓር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብዘይ ብጫ ማልያ ክወጹ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንኻልኣይ እዋኑ እዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ፡ ፍሉይ ተርእዮ ኮይኑ ካብ ዝተመዝገበን ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ዘቖጠዕን ፍጻሜ፡ ማልያ “ንጉስ ዓቐብ” ከምኡ‘ውን ማልያ “መንጐኣዊ ሽኳ” ሒዙ እሃለወ፡ ኣብ ቅድድም ክሮኖ ሜትር ብሕቲ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ሓበሬታ ተዛንዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ፡ ተቐዳዳማይ Bike – Aid ዮኤል ሃብትኣብ፡ ካብ ዝተዋህበ ደረት ግዜ ዶንግዩ ስለ ስለዝኣተወ፡ ካብ ዙር ርዋንዳ ምግላፉ‘ዩ።
ኣብ‘ዚ ዙር ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግቡ ልዑል ግምት ተዋሂብዎም ዝነበረ፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ማሌዥያዊት ክለብ Terengganuን ዝኾኑ፡ መርሃዊ ቅዱስን መትከል እዮብን ከም‘ቲ ትጽቢት ዝተነብረሎም ክንቐሳቐሱ ኣይተራእዩን።
ክ/ሰ ብዛዕባ‘ዚን ካልእ ፍጻሜታትን ዘጣመረ ሰፊሕ መደብ ስፖርት፡ ኣብ ናይዚ ሰዓት‘ዚ ፈነወና ክቐረብ ‘ዩ።
===============
COMMENTS