ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ሎሚን ጽባሕን ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 23 October 2019

ኣስታት 40 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩስያን፣ ሎሚን ጽባሕን ኣብ ከተማ ሶቺ ክካየድ’ዩ።

ኣብዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንታት ኬንያን ግብጽን ዝርከብዎም መራሕቲ ዝሳተፍዎ ዋዕላ ፣ ኣብ ወፍሪ፣ ትምህርቲል፣ ስነ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዘተኮረ’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ዋዕላ፣ ነቲ ብቻይናን ሃገራት ምዕራብን ኣብዛ ኣህጉር ዝካየድ ዘሎ ምሽማው ንምጽንባሩ ዝዓለመ ተበግሶ’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጽዎ።

ሩስያ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ባህልን ትምህርትን ዝጸንሓ ምትእስሳር ከተዕቢ ምምዳባ፣ ጽልዋታት ቻይናን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘሽቐላ ምልክት’ዩ ዝብሉ ተንተንቲ’ውን ኣለዉ።

ጎኒ ጊኒ’ዚ ዝካየድ ዋዕላ፣ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለየ ክልትኣዊን ዞባውን ጉዳያት ክዝትዩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ምህናጽ ዱጋ ተሃድሶ፣ ምስ ቀዳማይ ኣቢይ ኣሕመድ ክዘራረብ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ምትእኽኻባት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ ዝካየድ ዋዕላ፣’ውን ክሳተፍ እኳ እንተዘይኮነ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ንመንግስቲ ወኪሉ ናብ ሩስያ ኣምሪሑ ኣሎ።

ሩስያ፣ ብማህደረ ትምህርቲ ክትቅበሎም ዝጸንሐት ብዝሒ ኤርትራውያን ተማሃሮ ከተዛይዶ ምዃና እዚ ዋዕላ ቅድሚ ምኽፋቱ ተገሊጹ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Tekle 4 years ago

    Please try to work diligently to provide credible information. Time has gone against PIA of Eritrea. PIA has no intention like African leaders to spend his time on warming the Chairs of the hall. He prefer rather stay home and working on developments are going in his Home. Stop your cheap propaganda!!!!