ሱዳን ፣ ናይ መጀመርያ ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይና

Radio Erena: 23 October 2019

ንዕማት ዓብደላ መሓመድክያር፣ ናይ ፈለማ ናይ መጀመርያ ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሱዳን’ያ።

መስራቲት ማእከል ደያኑ ሱዳን ምዃና እትፍለጥ ንዕማት፣ ካብ 1980 ኣትሒዛ ኣባል ሓጋጊ ኣካል ኔራ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከም ኣኽባር ሕጊን ላዕለዋይ ዳኛን ኮይና ሰሪሓ።

ኣብቲ ንፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሺር ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ንጡፍ ተሳትፎ ኔርዋ።

ድሕሪ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ጉጅለን ሲቪላዊ ኣካልን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ሓላፊት ሓጋጊ ኣካል ሱዳን ኮይና’ያ ጸኒሓ።

ኣብ ነሓሰ 2019 ብዝተነድፈ መሰጋገሪ ቅዋም መሰረት ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮይና ተሸይማ።

ንሳ፣ ሒዛቶ ዘላ መዝነት፣ ኣብታ ብእስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ እትመሓደር ሱዳን በዳሂ ጽፍሒ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ምርግጋጽ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ዓቢ ፍታሕን ጽልዋን ከተምጽእ ተስፋ ተነቢሩላ’ሎ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ምእዋጅ ሸሪዓ ኣብ ዘመነ ስርዓት በሺር፣ መሰል ደቂንስትዮ ክገሃስ ምጽንሑ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ይወቕሱ።

ብፍላይ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፣ መርዓ ብግዴታ ወይ ምዝራፍ ዝኣመሰሉ፣ ምስ መሰል ደቂኣንስትዮን ጾታዊ ዓመጽን ዝተተሓሓዙ በደላት ብብዝሒ ክፍጸሙ ምጽንሖም ጸብጻባት የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0