ካብ መራሕቲ ሃገራት ዓለም፣ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ 8ይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: 09 September 2019

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ዓለም፣ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ፣ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሻሙናይ ደረጃ ሒዙ።

መዝገብ ዕሉላት መለኽቲ ሃገራት ዓለም ኣስፊርዎ ብዘሎ ስም ዝርዝር መራሕቲ መሰረት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘለዉ መራሕቲ እቲ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ኢሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኣስፊርዎ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ’ዩ።

86 ዓመት መሊኡ ዘሎ ፕረዚደንት ካብ ሜሮን ፖል ቢያል፣ ካብ 1975 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ን44 ዓመታት መሪሑዋ ኣሎ።

ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ዓመታት ብምጽንሑ ኣብ ካልእይ ደረጃ ተሰሩዑ ዘሎ መራሒ’ውን ካብዛ ብድኽነትን ድሕረንት ክትገላገል ዘይክኣለት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ንኢኳቶርያል ጊኒ ካብ 1979 ኣትሒዙ ን40 ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ቲዮዶር ኢብያንግ ንጌዋማ ባሳጎ’ዩ።

ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዓሊ ኻሜናኢ’ዩ ዝስራዕ።

ካብ 1981 ኣትሒዙ፣ ፕረዚደንት ኢራን ዝነበረ ኻሜናኢ፣ ኣብ 1989 ናይ ስልጣን ዘበኑ ከብቕዕ ምስ፣ ናይ ፕረዚደንትነት ጽፍሒ ናብ ካልእ ዜጋ እታ ሃገር ኣሰጋጊሩ፣ ንሱ ግና ዘይትንከፍ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ። ወዲ 80 ዓመት ዓሊ ኻሜናኡ፣ ብጠቕላላ ንኢራን ን38 ዓመታት መሪሑዋ ኣሎ።

ዝነውሐ ዓመት ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ መራሒ’ውን ካብ ኣፍሪቃ’ዩ። ኣቐዲሙ ካብ 1979 ክሳብ 1992 እንደገና ድማ ካብ 1997 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብድምር ንንኮንጎ ብራዛቪል ን35 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ወዲ 75 ዓመት፣ ዴኒስ ሳሱ ንጌሶ።

ሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ውድቀት ጨኻን ስርዓት ኻሜሩዥ፣ ኣብ 1984፣ ናብ ስልጣን ምስ ዝመጸ መራሒ ካምፖድያ ሁን ሰን፣ ን35 ዓመታት ካብ ስልጣን ኣይተኣልየን። 67 ዓመት ዝዕድሚኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሁን ሰን፣ እብ ስልጣን ብዝጸንሖ ዓመታት ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል ሓሙሻይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝስደዱላ ዘለዉ ሃገረ ኡጋንዳ፣ ወዲ 74 ዓመት መራሒኣ፣ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ን33 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽንሑ፣ ኣብ መዝገብ ዕሉላት መለኽቲ መበል ሻዱሻይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ፕረዚደንት፣ ጎረቤት ሱዳን ዝኾነት ቻድ፣ ኢድሪስ ደቢ ንዕሉል መላኺ እታ ሃገር ሓሰን ሃብረ ኣብ 1990 ድሕሪ ምእላዩ፣ ንሱ’ውን ዘይእለ መራሒ ኮይኑ ን29 ዓመታት፣ ኣብ መንበር ስልጣን ተኾይጡ ኣሎ።

ኣፍሪቃ፣ መካነ መለኽቲ ምዃና ዝያዳ ንምርግጋጽ፣ እንተተደልዩ፣ ኣብ ስልጣን ነዊሕ ዓምታት ካብ ዝተቐመጡ 10 መራሕቲ ሃገራት ዓለም፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓውስካ፣ እቶም ሽዱሽተ ካብዛ ኣህጉር ምዃኖም ምፍላጥ ጥራይ እኹል’ዩ።

ካብ 1991 ኣትሒዙ ን28 ዓመታት ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ፣ ወዲ 73 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብዚ መዝገብ እዚ ሻሙናይ ደረጃ’ዩ ሒዙ ዘሎ።

28 ዓመታት ስልጣን ክመልእ ሒደት ኣዋርሕ ተሪፈንኦ ዘለዋ መራሒ ካዛኪስታን፣ኑርሱልጣን ናዛርባየቭ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ተኸቲሉ ታሽዓይ ቦታ ክሕዝ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ታጃኪስታን፣ ኢሞማሊ ራሃሞን ድማ ብ27 ዓመታት 10 ደረጃ ይስራዕ።

ንሩዋንዳ ካብ ዓሌታዊ ግጭት ዘድሓነ’ዩ እናተባህለ ዝውደስ ፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ፓል ካጋመ ካብ 1994 ድማ ካብ ኣኮኡ ስልጣን ዝተለገሰሉ ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ ካብ 1999 ኣትሒዞም፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Berhane Haile 5 years ago

    ኢሰያስ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ዝሓዞ ስልጣን ጸብጺብካ ግን ቀዳማይ እዩ ዝስራዕ፡

    • comment-avatar
      ሃገር 5 years ago

      ነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ምህላው ብዘይ ምሽመሻን ብልሽትን ደኣ’ሞ ጽቡቕ እንድዩ። ሰላም ዘይትህቡዎም ስርሖም ኪሰርሑ።