ሃገራት ኤውሮጳ፣ ንመስርሕ ምስግጋር ሱዳን ናብ ደሞክራሲ ደገፈን ከምዘበርክታ ይገልጻ

Radio Erena: 09 September 2019

መንግስቲ ጀርመንን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ንመስርሕ ምስግጋር ሱዳን ናብ ጎደና ደሞክራሲ፣ ደገፈን ከበርክታ ምዃነን ናብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራህ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሄኮ ማስ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ፣ ብ3 መስከረም ናብ ካርቱም ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ጀርመን ነታ ሃገር መዲባቶ ዝነበረት ናይ 5 ሚልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ 15 ሚልዮን ክብ ከምዘበለቶ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ ኣብቲ ምስ ኣቦ መንበር ወትሃደራዊ ባይቶን፣ ፕረዚደንት ናይቲ መሰጋገሪን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ከምኡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶቕ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ሃገሩ ንሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ዝድግፋ ሃገራት ንምስራዛ ክትደፍኣሉ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ጀርመን፣ ኣቐዲማ’ውም ምስ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ናይ ሚልዮናት ዶላራት ስምምዕ ከምዝነበራ ኣይርሳዕን።

ምብጻሕ ሚኒስየር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ናብ ሱዳን’ውን ብኣውርኡ ኣብዚ ንሃገራት ኤውሮጳ ኣሻቓሊ ኮይኑወን ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ብመንገዲ ሱዳን ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶቕ ናብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዕድመ ኣቕሪቡሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዕድመ ዘቕረበ፣ ብመንገዲ እታ ኣብ ሱዳን እትርከብ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኢማኑኤል ብላትማን ኣቢሉ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0