‘’ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ’ሎ’’፣ ሕ.ሃ.

Radio Erena: 22 November 2020

ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ከምዘሎ፣ ሕቡራት ሃገራት ደጊሙ ኣጠንቂቑ።
ወኪል ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ተቐርቂሮም ስለዝርከቡ፣ ውሕስነቶም ኣዝዩ ኣስጋኢ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢራ።
እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ፣ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ህይወቶም ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝምርኮስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከኣ ኩሉ ዓይነት መራኸቢታት ተበቲኹ ስለዘሎ፣ ጸገማቶም ንምግማቱ እኳ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
እዞም ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ምልኪ ኣምሊጦም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፣ ናይ ኩሎም ወገናት መጣልዒ ፖለቲካ ከይኮኑ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ብፍላይ ንተወላዶ ትግራይ ንምርካብ ተባሂሉ፣ ብስም ትግርኛ ይዛረቡ’ዮም ኢልካ ዝግበር ዓሌታዊ ኣፈላላይ እንዳገነነ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀንዲ ዳያት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብኣግኡ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።
ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ክንቀሳቐስን፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ክገብር ክፍቀደሉን፣ ተማጺኑ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    Isaac 3 years ago

    Useless fake news you are fabricating lies about my beloved country Eritrea and our beloved savor 

  • comment-avatar

    ፍትህ ንውጹዕን ንጹህ ህዝቢ 😭🙏

  • comment-avatar
    Awet kehase 3 years ago

    hzbi yfelt do bqidmeom tegaru bdhrieom amharu kemzharmwom zelewu slemnaty u af zeykonom zi hzbi black live matters kbhal do ayhageyen aqalbo kwhabo zhzbi bthtna yhatt azi xelim tarik u nestewil ezi shigir hizbi metwi gtimin zeman koynu yterif alo men kzareb zgbio zarebi koleun seb tkalat nay ytub tray yendrlu alewu emnet bzey gbri kontu u af wxueat nkun please