‘’ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ንመነባብሮ ደቀንስትዮ ዝኸፈአት ሃገር’ያ’’ A.C.P.F

Radio Erena: 22 November 2020

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ንመነባብሮ ደቀንስዮ ዝኸፈአት ሃገር ምዃና ብዓርቢ 20 ሕዳር ዝወጸ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ገሊጹ።
ኣፍሪካን ቻይልድ ፖሊሲ ፎረም ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ጫድን ኤርትራን ንደቀንስትዮ ዘይምችኣ ሃገራት ብምባል ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከቐምጠን እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ብዙሕ ክመሓየሽ ዘለዎ ሕግታት እኳ እንተለወን ሞሪሸስ፣ ቱኒዝያን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።
እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘተኮረሎም መምዘኒታት ጥዕናዊ ኩነታት፣ ደረጃ ትምህርቲ፣ ሕጋጋትን ፖሊሲታትን መንግስታት ኣብ ጉዳይ ደቀንስትዮ ገለ ካብቶም ብዝለዓለ ደረጃ ዝረኣዮም እዮም።
ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ለበዳ ኮቪድ 19፣ ብዝያዳ ደቀንስዮ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ከምዝጽመዳ ምግባሩ ብሓደ ወገን፣ ካብ ትምህርትን ስራሕን ምብኳረን ብካልእ ወገን፣ ዋላ ኣብተን ደሓን ለውጥታት ኣምጺኤን ዝነበራ ሃገራት’ውን ንድሕሪት ከምዝጉሰሳ ኮይነን ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ጸቓጢ ባህሊ ሕብረተሰብ፣ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝተሓሓዝ እውን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ግፍዕታት ብዝተፈላለያ ኣህጉራውያንን ኤርትራውያንን ማሕበራት ግብረሰናይ ክስነድ ጸኒሑ’ዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 23% ካብ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ዘይወዳኣ እየን።
ኣብ 2050 ዓመተምህረት ናብ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ክድይብ ምዃኑ ዝንገረሉ ቁጽሪ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ፣ ንምሕያለን ካብ ሕጂ ወፍሪ እንተዘይተገይሩሉ፣ ኣብ ሕብረተሰባት ዝወርድ ክሳራ መዳርግቲ ከምዘይርከቦ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣተሓሳሲቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0