እስራኤልን ኢማራትን፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ዓደንን ዝስልይ መዓስከር ክሃንጻ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 30 August 2020

እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ወሽመጥ ዓደን ዘዋስነን ሃገራት ዝስልይ መዓስከር ክሃንጻ ከምዝተሰማምዓ ዘ ኔሽን ኣመልኪቱ።

ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተማእከለ ዝምድና እስራኤልን ኢማራትን ንምምሕያሽ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ እስራኤል ምስፋሕ መሬት ናብ ምዕራባዊ ከበሳታት ደው ከተብል፣ ኣምሳያኡ ከኣ ኣብ የመን ናይ ስለያ መዓስከር ከተቕውም ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እዩ ዝንገር ዘሎ።

እዚ ዝተራቐቐ ናይ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዝዓጥቕ ናይ ስለያ መደበር፣ ኣብ ደሴት ሰኮትራ ክህነጽ ምዃኑ፣ ፕረስ ቲቪ ብወገኑ ኣመልኪቱ። ደሴት ሰኮትራ ሓዊሱ ንደቡብ የመን ክንጽል ዝደልይ ሓይሊ ብኢማራት ክድገፍ ከምዝጸንሐ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

ወከልቲ እስራኤልን ኢማራትን፣ ናብታ ደሴት ብምብጻሕ ንመህነጺ’ቲ መደበር ስለያ ዝኸውን ከባቢታት ማለት ኣብ ምብራቕ ሞሚ፣ ኣብ ማእከል ጃሙጋ፣ ኣብ ምዕራብ ከኣ ካታናን ዝተባህለ ቦታታት ተዓዚቦም።

እዚ ንባብ ኤልመንደብን ደቡብ የመንን ዝቆጻጸር መዓስከር ስለያ፣ ንምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ዓደንን ዝሽፍን ሓበሬታ ዝእክብ ማእከል ከምዝኸውን እዩ ዝንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ሓያላት ሃገራት ኣብኣፍሪቃ ሕድሕድ ዓሌት ኣግጭየን
    ንሳተን ዝብሕታሉ መንግዲ እየን ዝሰርሓ ዘለዋ