ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ዘካየድኦ ዘተ ሕጂ’ውን ብዘይፍረ ተበቲኑ

Radio Erena: 31 August 2020

ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ዲጋ ተሃድስን ብዝምልከት ዘካየድኦ ዘተ፣ ሕጂ’ውን ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

እቲ ብ28 ነሓሰ፣ ዝተኻየደ ዘተ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝበጽሐኦ ሓባራዊ መረዳእታ ዝሓቖፈ ንድፊ ሓሳብ፣ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይዚ ሰሙን’ዚ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምቕራብ ዝዓለም’ዩ ኔሩ።

እተን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ክበጽሓ ብዘይምኽኣለን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቕርብኦ ንድፈ ሓሳብ ከምዘየለ ንሱዳን ወኪሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ሕርሻን ሃብቲ ማይን ያሲር ዓባስ ገሊጹ።

እንተኾነ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ዘተ ሰለስቲኤን ሃገራት ክቕጽል ከምዘለዎ እቲ ሚኒስተር ኣዘኻኺሩ።

ሰለስቲኤን ሃገራት ናብ ሓባራዊ መረዳእታ ክበጽሓ ፖለቲካዊ ድሌት ክህልወን ከምዝግባእ’ውን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ዘተ ብዘትፍረ ከምዝተበተነ ቀዲማ ዘቃልሐት ግብጺ ብወገና፣ ክዕወት ዘይክኣለሉ ምኽንያት ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ምዃኑ ሓያሎ ጋዜጣታት ካብ ካይሮ ይጠቕሳ ኣለዋ።

ኣመሪካ፣ ንኢትዮጵያ ክትህቦ ዝወጠነት 130 ሚልዮን ዶላር ፊናንስያዊ ሓገዝ ንምድስካል ዝወሰነትሉ’ውን ምስዚ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0