ኤርትራ ዘይብሉ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ ኣፍሪቃ (AfCFTA)፣ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፣ ድሕሪ ኮረና ቫይረስ፣ ቁጠባ ንምሕዋይ ክሕዝግ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 02 June 2020

ኣህጉር ኣፍሪቃ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ (African Continental Free Trade Area – AfCFTA) ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንዝህሉ ቁጠባዊ ሕውየት ክሕግዝ ናብ ትግባረ ክሰጋገር ኣለዎ ክብሉ ክኢላታት ቁጠባ ውድብ መግብን ሕርሻን ተማሕጺኖም።

እቲ ኣብ 21 መጋቢት 2018 ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ዝተበገሰ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ፣ ኣብ ፈለማ ኣስታት 20 ዝኾና ሃገራት’የን ከቲመናሉ።

ክሳብ ሓምለ 2019፣ ካብ 55 ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾና ሃገራት እተን 54 ክሰማምዓሉ እንከለዋ፣ ኣብዚ ስምምዕ ዘየላ እንኮ ሃገር ኤርትር ጥራይ’ያ።

ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓድሕደን ዝገብርኦ ሓድሕዳዊ ንግዲ ልውውጥ፣ 90% ታሪፍ ቀረጽ ብምስራዝ፣ ኣውፈርቲ፣ ነጋዶን ሓረስቶትን ኣፍሪቃ ብምትብባዕ ቁጠባ ዘዕብይሉ መንገድታት ንምንዳይ ዝዓለመ’ዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለወን ናይ መግቢ ዋሕዲ ካብ ዝፈትሓሉ መንገዲታት ሓደ፣ ኣብ ሓድሕደን ናጻ ንግዲ ምስ ዝህሉ ምዃኑ ነቲ ምሕጽንታ ካብ ዘቕረቡ፣ ላዕለዋይ ቁጠባዊ ኣማኻሪ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንዦን ሰንሁን ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ቫንጉዋርድ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብዚ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ንቁጠባን ንግዲን ዓለምና ብኣሉታ ጸልይውሉ ዘሎ እዋን፣ ድሕሪ’ዚ ለበዳ ኣብ ዝህሉ ንግዳዊ ስምምዓት፣ እዚ ናጻ ናይ ንግዲ ከባቢ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ከም ኣእካልን መሰረታዊ መግብታትን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ንምርካብ፣ ናብ ካልእ ኣህጉር ካብ ምቑማት ከድሕነን ይኽእል’ዩ ዝብል ምጉት’ዩ ዘሎ።

እዚ ድማ ቁጠባን ጃምላዊ እቶትን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ባዕሉ ንባዕሉ እናተደጋገፈ ክዓቢ ከምዝሕግዝ ይትንተን።

ጃምላዊ እቶት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረ ቫይረስ ብገምጋም ብ5.1% ከንቆልቁል’ዩ ምዃኑ ባንክ ዓለም ይእምት።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ቴድሮስ 4 years ago

    አይ ናይ አፍሪቃ ንግር ስርሕ ፍንጥሕ

  • comment-avatar
    Abraham 4 years ago

    ኣፍሪቃ እንታይ ዘፍርየኦ ምህርቲ ስለ ዘለወን ኢየን ነጻ ዕዳጋ ዝድለ ዘሎ? ወይስ ፍርያት ፈረንሳን ጀርመንን ብዘይቀረጽ ንምሻጥ ኢዩ ሕጂ ውን ኣብ መርገጺና ኢና ኣፍሪቃ ንሳ ትውንኖ ተፍርዮ ፍርያት ክሳብ ዘየለ ናይ ምዕራባውያን ኢልና ነጻ ዕዳጋ ኣይንፈቅድን ኢና