ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርራን ሱዳንን ዝገለለ ናይ 105 ሚልዮን ኤውሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 02 June 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንዘጋጠመ ናይ መነባብሮ ጸገማት ንምፍታሕ፣ ንኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 105.5 ሚልዮን ኤውሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ሕብረት፣- ንሶማል 48 ሚልዮን ኤውሮ፣ ንኢትዮጵያ 42 ሚልዮን ኤውሮ፣ ንኬንያ 15 ሚልዮን ኤውሮ ንጂቡቲ ድማ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኤውሮ ዝውዕል ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘበርከተ ዝሓለፈ ቅንያት’ዩ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ኤርትራን ሱዳንን ካብዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገለለሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እቲ ሕብረት ኣቐዲሙ፣ ብመንገዲ ውድብ መግብን ሕርሻን ካልእ ሰብኣዊ ፕሮጀክታትን ኣቢሉ፣ ኣብዚ ዞባ ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝሰዓበ ጉድኣት ዝውዕል 33 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝሓገዘ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬትኡ ሰፊሩ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝጀመርዎ ርክብ፣ ካብ ወደባት ኤርትራ ክሳብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ንኽህነጽ፣ ናይ 10ታት ሚልዮን ኤውሮ ምምዋሉ ካብ ሓያሎ ኣባላት ፓርላማኡ ተቓውሞ ገጢምዎ’ዩ።

ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኤውርጳ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ደኣ ይጀምር’ምበር፣ ኣብ ገዛእ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ግፍዕታት፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ በደላትን ይቕጽል ብምህላዉ፣ ልምዓታዊ ሓገዝ ክብርከተሉ የብሉን ዝብል መርገጺ ኣለዎም።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0