“ኤርትራ፣ ኣብ 10 ዓመታት 31 ሽሕ ተማሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎምን ኣመሪቓ፣” ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን

Radio Erena: 30 October 2019

ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት፣ 31 ሽሕ ተማሃሮ ብዲግርን ዲፕሎምን ከምዘመረቐት፣ ፈጻሚ ዳይረክተር ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን (ብ/ጀነራል) ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ 584 ብናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ንወጻኢ ሃገራት ከምእተላእኩ ሓቢሩ።

ንሱ ነዚ ዝሓበረ፣ ኣብ ሳዋ ንዝርከቡ ኣባላት 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንላዕለዋይ ትምህርቲን ጉዕዞኡን ብዝምልከት፡ ብ19ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ምዃኑ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጠቒሳ።

ብመሰረት ንሱ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ 2004 ዝተፈላለያ ኮሌጃት ብምኽፋት፡ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተአንግዶ ዝነበረት ኣዝዩ ውሱን ቊጽሪ ክብ ብምባል ዝሰፍሐ ዕድላት ንምፍጣር ብዝተወስደ ስጒምቲ፡ ኣብዚ 10 ዓመታት 31 ሽሕ ተማሃሮ ወነንቲ ዲግሪን ዲፕሎምን ኮይኖም ኣለዉ።

እዚ ማለት ድማ፣ ካብዘን ድሕሪ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝተኸፍታ ኮሌጃት፣ ዓመታዊ ብገምጋም ልዕሊ 3 ሽሕ ተማሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎምን ተመሪቆም ማለት’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን፣ ብዝሒ ዝተመረቑ ተማሃሮ እንተዘይኮይኑ፣ ዝወነንዎ ብቕዓትን ናብ ሞያ ተዋፍሮም ዘበርከትዎ ግደ ኣይጠቐሰን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ክንደይ ካብዞም ኣብዚ 10 ዓመታት ዝተመረቁ 31 ሽሕ ተማሃሮ ናብ ስደት ኣምሪሖም’ውን ኣየነጸረን።

ካብቶም ናብ ቻይናን ካልኦት ወጻኢ ሃገራትን በብእዋኑ ንድሕረ ምረቓ ዝተላእኩ ኣማኢት ተማሃሮ፣ ብብዝሒ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝሰገሩ በብእዋኑ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን ምስ ናይ 24 ሕዳር 2018 ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ እቲ ዝጸንሐ መስርሕ ትምህርቲ ኣብ ዝርገሐ ዘድሃበ ስለ ዝኾነ፡ ኣንፈቱ ብዝሒ ከተፍሪ እዩ ዝደፋፍኣካ ድሕሪ ምባል፣ ኣብዚ እዋን ነቲ ዝነበረ ዕላማ ኣብ ክንቅይረሉ እንኽእል መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና። እዚ ማለት ድማ፡ ካብ ብዝሒ ናብ ዓይነት ዘፍርያ ትካላት ትምህርቲ ምቕያር ማለት እዩ ክብል እቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ ዕዉት ከምዘይነበረ ምግምጋሙ ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    Most Universities would be ashamed of Graduating 3100 students a Year let alone in the whole Country per year…….This might be Fairly decent numbers to brag about where the Migration rate is 12 times that of the Graduates annually……..Impressive for the Most notorious Dictator on the Planet…..Selah

  • comment-avatar
    ዘካርያስ 4 years ago

    ክንደይ ካብዞም ምሩቃት ኣብ ኤርትራ ኣለዉ፡ ኣበየናይ ፋብሪካታት ደኣ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ወዲ ምሕጹን ሰብ ተሳኢኑ ንስኻ ትመርሖ ኣሎካ ኮለጃት፡ ሓሳዊ፡ ቀታሊ ሰብ፡