ቤልጁም፣ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ10 ኤርትራውያን ተቐይዶም

Radio Erena: 30 October 2019

ኣብ ቤልጁም፣ ዞባ እንትወረብ፣ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝተበገሱ’ዮም ዝተባህሉ 28 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዘ ብራስለስ ታይምስ ገሊጹ።

እቶም 10 ዜጋታት ኤርትራ ክኾኑ እንከለዉ፣ 11 ድማ ዜግነቶም ዘይተሓበረ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

እቶም ዝተረፉ ዜጋታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ምዃኖም ፖሊስ እቲ ዞባ ኣመልኪቱ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝወሓዙ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብወደባት ፈረንሳን ቤልጁምን ኣቢሎም፣ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ናብ ብሪጣንያን ክሰግሩ ከምዝፍትኑ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ጉዳዮም ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብምስታፎም ካብ ዝተኣስሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን፣ ትማሊ 29 ጥቅምቲ ብዋሕስ ተፈቲሖም።

 

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0