ኤርትራ፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰሚናራት፣ ህዝቢ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ምሕንጻጽ ዶባትን ከይሓትት ይንገሮ ኣሎ

ኤርትራ፣ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰሚናራት፣ ህዝቢ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ምሕንጻጽ ዶባትን ከይሓትት ይንገሮ ኣሎ

ኣብ ኤርትራ፣ በብደረጅኡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዘመተን ጎስጓስን ሰሚናራት፣ ህዝቢ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ምሕንጻጽ ዶባትን ብዝምልከት ከይሓትት ይንገሮ ኣሎ።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ነቲ ሰሚናራት ዝመርሑ ዘለዎ ካድራት ህግደፍ፣ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምሕንጻጽ ዶባትን፣ መንግስቲ ይከታተሎ ስለዘሎ፣ ኣብዚ ኣኼባታት ምሕታት ኣይድልን’ዩ ክብሉ ኣቐዲሞም የጠንቅቕዎ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

እቶም ካድራት፣ ‘’ወያነ ሕጂ’ውን ነዚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ፣ ኤርትራ ብሕርሻን መግቢ ልምዓትን ርእሳ ንምኽኣል ቀሪባ’ላ፣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ንዝጸንሑ ኣባይቲ ክስርሓሎም እዩ፣ ባጽዕን ዓሰብን ብደረጃ ዓለም ኣገልግሎት ዝህባ ምዕቡላት ወደባት ክኾና’የን’’ ብልን ዝኣመሰለን፣ ዘመተን ጎስጓስን’ዮም ዘቕርቡ ዘለው።

እንተኾነ ዝበዝሐ ካብቲ ብህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶታት፣ ‘ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብን ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን መዓስ’ዩ ዝትግበር፣ እዚ እንተዘይተተግቢሩ ውሕስነት ሰላም የሎን፣ ኢትዮጵያ ትምስርቶ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ’ዩ ክቐውም? ምስ ኤርትራ ኸ እንታይ ውዕላት’ያ ፈሪማ? ወያነ ተሳዒሩ’ዩ ጌም ኦቨር ኮይኑ ተባሂሉ ከብቅዕ? ሕጂ ኸ ከመይ ጌሩ ስግኣት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኸውን’ ዝብል ይርከቦ።

ነቲ ሰሚናራት ዝመርሑ ካድራት፣ ኣብ ዘዝኸድዎ ከባቢታት ተመሳሳሊ ሕቶታት ይልዓል ምስ ምህላዉ ድማ’ዮም፣ ህዝቢ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ምሕንጻጽ ዶባትን ብዝምልከት ከይሓትት ኣቐዲሞም ዝሕብርዎ ዘለዉ።

ገለ ካብቶም ካድራት፣ ካብቲ ናይ ኣኼባ ኣዳራሻት መህደሚ ዝኸውን ናይ ግዚኡ መልስታት’ዮም ዝህቡ ዘለዉ ዝበሉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ካልኦት ድማ፣ ላዕላዋይ ኣካል መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ መልሲ ክህበሉ’ዩ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኤሪ ቲቪ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መጠይቕ ሰፊሕ መልሲ ክህብ’ዩ…ወዘተ ክብሉ ጥራይ’ዮም ንናይ ህዝቢ ሕቶታት ዝሰግርዎ ዘለዉ።

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካድራትን ህግደፍ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከብ ህዝብን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓትን ጽዑቕ ዘመተን ጎስጓስን ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ዋላ ሓደ ዝክወሎ ነገር የለን ከም ቀደሙ ተጨፍሊቁ ንጸሊም ጻዕዳዩ ዋላ እንተበልዎ እወ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢዩ።
    ኩሉ ምሁርን ወሰንቲ መንእሰያታን ገዲፎማ ዝኸዱ ዓዲ ደኣ’ሞ ድልየቶም ክገብርዋ እዮም’እምበር።

  • comment-avatar

    From now on Eritrean people have no fear to the government . Cause this is a big slap to those have fought 30 years and died in the battle. Even though as we can see the weather is already changed by his regime, they despite it and questioning them? I think this is collapse of the government!!! 

  • comment-avatar
    ደላይ ለውጢ 5 years ago

    ንሓስውቲን ጠላማትን ዝግበኦም ምቅጻዕቲ ዚወህበሉ ግዜ ኣኪሉ አዩ ይሕዋተይ