ጂቡቲ፣ ንዱባይ ልዕሊ 380 ሚልዮን ዶላር ክትክሕስ ትሕተት

ጂቡቲ፣ ንዱባይ ልዕሊ 380 ሚልዮን ዶላር ክትክሕስ ትሕተት

ጂቡቲ፣ DP World ንዝተባህለ ናይ ዱባይ ወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ፣ 385 ሚልዮን ዶላር ክትክሕስ ኣብ ለንድን ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ጂቡቲ፣ ነቲ ምስ ዱባይ ዝኸተመቶ ውዕል ኣገልግሎታት ወደብ ብሃንደበት ድሕሪ ምስራዛ፣ ንዝሰዓበ ክሳራታት ክትክሕስ’ዩ በይኑ።

መንግስቲ ጅቡቲ ነቲ ምስ ወሃቢ ኣገልግሎታት ወደብ DP World ናይ ዱባይ ኣቐዲሙ ዝተኸተሞ ስምምዕ ወፍሪ ዝሰረዘሉ ምኽንያት፣ ዱባይ ነቲ ኣብ ኣገልግሎታት ምርጋፍን ምጽዓንን ኮንተይነራት ዝነጥፍ ወደብ ዶራለ ትሕቲ ዓቕሙ ተስርሖ ኣላ ብዝብል’ዩ።

እንተኾነ፣ ዱባይ እቲ ውዕል ብሃንደበት ብምስራዙ ንዝሰዓበ ክሳራታት፣ ክትክሓስ ንዘቕረበቶ ሕቶ መንስቲ ጅቡቲ ስለዝነጸጎ ለንደን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከተቕርቦ ወሲና።

መንግስቲ ጅቡቲ ብወገኑ፣ ነቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣፍልጦ ከምዘይህብ ብምግላጽ፣ ብዛዕባ’ዚ ውሳኔ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ወደብ ዱራለ፣ ኣብ መንጎ ዱባይን መንግስቲ ጅቡቲን ኣብ 2006 ድሕሪ ዝተበጽሐ ናይ 30 ዓመት ስምምዕ ክራይ ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ኣብ 2009 ኣገልግልሎት ጀሚሩ።

እንተኾነ መንግስቲ ጅቡቲ ካብ 2014 ንደሓር ዝተፈላለየ ክስታት ብምምጻእ፣ ነቲ ናይ 30 ዓመት ውዕል ሰሪዙ፣ ኣብ 2018 ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዋንነቱ ኣእትይዎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0