ኤርትራ፣ ተወሳኺ መምርሒ ምዕጻው፣ ተወሳኺ ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 28 December 2020

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናብ ኣስጋኢ ደረጃ ዓሪጉ ብምባል ዝጸንዐ ምዕጻው ክናዋሕ ኣብ ጽባሕ ልደት ፈረንጂ ዘሕለፎ መምርሒ፣ ኣብ ዜጋታት ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ዘሕለፎ መምርሒ፣ ንዘይተርፍ ስራሕ፡ መግቢ ንምግዛእ ወይ ንህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እንተዘይኮይኑ፡ ብኣጋር፡ ብብሽክለታን ካሮሳን ካልእን ዝግበር ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓሳት ክልኩል ከምዝኸውን’ዩ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ነፍሰጾራትን ዝተወጽዑ ሕሙማንን፣ ናብ ሕክምና ንምብጻሕ፣ እኽሊ ካብ እንዳ ጠሓኒት ንምምልላስን ካልእ ዕለታዊ መነባብሮ ንምምራሕ ዘገድሱ ነገራትን፣ ዓረብያ ፈረስን ብሽክለታን ክጥቀም ዝጸንሐ ህዝቢ፣ ዝተረረ ምዕጻው ምእዋጅ ንተወሳኺ ሕሰምን መከራን ዘቃልዕ’ዩ ክብሉ’ዮም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዜጋታት ዝገልጹ።

ንትሽዓተ ኣዋርሕ፣ ብዘይዝኾነ መደብ ሕውየትን ሓገዝን ክሳቐያ ንዝጸንሓ ሓያሎ ስድራቤታት፣ ተወሳኺ ክትዕጸዋ ኢኽን ምባለን፣ ዳርጋ ንሞት ምፍራደን ምዃኑ’ውን ኣገንዚቦም።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ብናይ ጽዕነት መካይን ተጸፋጺፉ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ክመላለስ እናተራእየ ብኣንጻሩ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ስለዘስግኣና፣ ዝጸንዐ ምዕጻው ክናዋሕ’ዩ ዝብል መምርሒ ንባዕሉ፣ ብዙሕ ሕቶታት ከለዓዕል ከምዝኽእል እቶም ዜጋታት ብተወሳኺ ኣሚቶም።

መንግስቲ ኤርትራ ብዝህቦ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ ክሳብ 25 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 992 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት ሓደ ሰብ ድማ ተመዝጊቡ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ዝበልኩም በሉ፡
    መንግስቲ ኤርትራ እንተኢልዎ ኢልዎ እዩ። ንስኹም ነቲ ትኽድሙሉ ሃገር እምበር ብማዕዶ ኮይንኩም ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝሕሾን ዘይሕሾን መዓድቲ ክትኮኑ ኣይትፈትኑ።
    ብዝተረፈ፡ እዚ ለበዳ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም እናደጋገመ ዝመላለስ ከምዘሎ ኣብቲ ትነብሩሉ እናርኣኹሞ፡ ከም ኣብ ኤርትራ ጥራሕ በቲ መንግስቲ ዝምኽነ ዘሎ ከተምስሉ ምፍታንኩም ክድዓትኩም ጥራይ እዩ ዝምስክረልና።
    እንተኾነ ሕጂውን ድላይኩም ዕፈሩ’ምበር ንመንግስቲ ኤርትራ ክትጠውዩ ካብ ምሕሳብ ንወርሒ ከተውርድዋ ምሕሳብ ይሕሸኩም።