ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ብዝቕጽል ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 December 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ደቡብን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭታት ብውሕዱ 370 ሰባት ተቐቲሎም።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ዞባ መተከል ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፣ ልዕሊ 207 ከምዝበጽሐ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ ድማ ብውሕዱ 66 ሰባት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ከምዝተቐትሉ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ’ውን፣ ጸጸኒሑ ግጭታት ይቕጽል ከምዘሎ ዝሓበሩ ዝተፈላለዩ ወገናት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ፣ ናይ ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣገልግሎታት ስለዘቛረጾ፣ ብዝሒ ግዳያት ብዝርዝር ንምፍላጡ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ጠቒሶም።

ኣብዚ ኣብ ሓያሎ ዞባታት ኢትዮጵያ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኵናት፣ ምርጫ’ውን ዝጽበያ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ምስዚ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ተደማሚሩ፣ ኣብታ ሃገር ታሪኽ ህልቂት ርዋንዳ ከይድገም ንሓያሎ ኣስጊኡ ዘሎ ክስተት’ዩ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0