RADIO ERENA – Tuesday, 19 March 2024
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ቅድም ትዊተር ናይ ሕጂ ኤክስ(X) ጉዳይ ኤርትራ ብዙሕ ሰብ ይዛረበሉ ብምህላዉ ካብ ብዙሕ ሰብ ዝርእዮ (trending) ኮይኑ ቀንዩ::
ብስም ፌስቲቫላት ዝካየድ ጓይላታትን ንሱ ዘኸተሎ ግጭታትን ዝፈጠሮ ሳዕቤናትን ጉዳይ ኤረትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምርዳእ ኣብ ኤክስ ወፍርታት ይካየድ ብምህሉዉ እዩ ብስም ኤርትራ ‘ትረንዲን‘ዝገብር ዘሎ::
ኣብቲ ወፍሪታት ‘ብህግደፍ ዝካየድ ፌስቲቫላት ኤርትራ ንጽልኢ ዝጉስጉሱን ንመላእ ማሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክልን ምኳኑ‘ ዝገልጹ ደለይቲ ፍትሕን: ‘እዚ ሓሶት ምኳኑ ዝምግቱን ብርጌድ ንሓመዱ ‘ሽበራዊ ጉጅለ”ዩ ዝነቕፉ ደገፍትን ዝገብርዎ ዘለዉ ጎስጓስ እዩ::
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተፈላለዩ ማሕበረኮማት ባህሎምን ቋንቋታቶምን ንምዕቃብ ዝተፈላለዩ ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ይገብሩ እዮም: መንግስታት‘ውን እዚ ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ክካየድ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ይገብራ እየን::
ኤርትራውያን ማሕበረኮማት‘ውን ከም ሰበን ናይ ዝነብራሉ መንግስታት ሓገዝ እናረኸባ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ንጥፈታት የካይዳ እየን::
እንተኾነ መብዛሕትኡ ብኤርትራውያን ዝካየድ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኢድ መንግስቲ ክኣትዎን ኣታዊ ፈቲቫላት ድማ ናብ ኤምባሲታት ኤርትራ ክኣቱ ጸኒሑ::
ከም ግቡእ ማሕበረኮማት ንኹሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ዝጥርንፋ ኢድ መንግስቲ ዘይኣትወን ነጻ ማሕበራት ክኾና እዩ ዝግባእ ኣብ ማሕበረኮማት ኤርትራ ግን ከምኡ ኣይጸንሓን ብኣንጻሩ ናይ ደገፍትን ቀጥታዊ ኢድ መንግስቲ ዝኣትዎን እዩ::
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣንጻር ፌስቲቫላት ክካየድ ብዝጸንሐ ተቓውሞታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ዘሎ ጎስጓሳትን፡ ዲያስፖራ ኤርትራ ብነዊሕ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ይዝወርን ኣብ ፍርሂ ዝነብር ከምዝኾነን ክገልጹ ጀሚሮም ዘለዉ ብዙሓት እዮም::
ካብዚ ብምብጋስ ሃገራት ኖርወይ: ስዊደን: ስዊዘርላንድ: ዴንማርክን ነዊሕ ኢድ ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ንምብታኽ ዘኽእል ዝርርባት ኣብ ምክያድ ይርከባ ኣለዋ::
==============
COMMENTS