ኤርትራውያን፣ ብሞት ኤርትራዊ ጸሓፊ ተኪኤ በየነ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ

Radio Erena: 17 April 2019

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረ ሰብ ፖለቲካ፣ ስነጥበብን ካልኦትን፣ ብሞት ህቡብ ኤርትራዊ ጸሓፊ ተኪኤ በየነ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያን ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት፣ ብሎጋትን ካልእ መንገድታትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ደራስን ተርጓምን ኣቶ ተኪኤ በየነ፣ ብፍላይ በታ፣ ንውልቀ ተሞክሮኡ እትነዘንቱ ድርሰቱ ካብ “ሪቕ ሕፍንቲ” ዘሕደረሎም ኣድናቖት ይጠቕሱ።

ኣብ ፍልስፍና ዘተኮረት ናይ ትርጉም ፍርያቱ ዝኾነት ” ሶፍያ’ውን” ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብብሉጽ ድርሰታት ዝንበባ መጻሕፍቲ ትግርኛ’ያ።

ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብሞት ዝተፈልየ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ኣቶ ተኪኤ በየነ፣ ቀዳማይ ኣማሓዳሪ ባንኪ ኤርትራ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሩ ምስቲ ስርዓት ብዝነበሮ ናይ ኣረኣይያን ምሕደራን ፍልልይ፣ ንነዊሕ ዓመታት ደስኪሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣባላት ሬድዮ ኤረና፣ ብሞት ደራሲ ተኪኤ በየነ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ፣ ንስድራቤት ጽንዓት ተመንዮም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar
    girmay 5 years ago

    I feel deeply sorry for Tekie Beyene. He was a real Eritrean and a sympatizer of ,, YAKEL… movement. His death is misterious. He was always trying to form a club of former Haile Sellasssie I – High School Students of Asmara. How he died know only the persons who caused his death.

  • comment-avatar
    Yemane 5 years ago

    Go beyond to step down Isayas.He make a secret agreement to Abyi to make Eritrea again Cry

  • comment-avatar
    Bissii 5 years ago

    ዝኸበርካ ኣቶ ተኪኤ፡ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ ልክዕ ከም ማንም ኤርትራዊ ግዳይ ናይቲ ኣረሜን ኢሳያስ ኮንካ ሓሊፍካ ኢኻ አሞ እግዚኣብሂር ንዓኻ መንግስተ ሰማይ ን ስድራኻ ጽንዓት ይሃብ።