ኤርትራዊት ኣትለት መቕደስ ወልዱ፣ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ናንሲ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ተዓዊታ

Radio Erena: 06 October 2020

ኤርትራዊት ኣትሌት መቕደስ ወልዱ፡ ብሰንበት 04 ጥቅምቲ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ናንሲ ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 ውድድር ፍርቒ ማራቶን ቀዳመይቲ ብምውጻእ ተሸላሚት ወርቒ ሜዳልያ ኮይና።

መቕደስ ነዚ ውድድር ንምፍጻም 1 ሰዓት፡ 13 ደቓይቕን 54 ካልኢታትን ወሲዱላ።

ኣብ ካልእ ናይ ስፖርት ዜና፣ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ኮንቲነንታል ክለብ Groupama-FDJ ኤርትራዊ ያቖብ ደበሳይ፡ ኣብቲ ዕለት’ዚ፣ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተሰላሰለ፡ መበል 92 ውድድር Il Piccolo Lombardia፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ መድረኽ ሽልማት ደይቡ።

ኣብ’ዚ 154 ተቐዳደምቲ ናይ 29 ክለባት ኣብ መስርዕ ቅድድም ዝቐረብሉ ውድድር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኮንቲነንታል ክለብ ኒፖን ቴሌግራፍ ኤንድ ቴሌኮም፡ ማለት ኤን.ቲ.ቲ. ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን’ውን እኳ እንተተሳተፉ፣ ምስ ካልኦት 90 ተቐዳደምቲ ክውድእዎ ኣይከኣሉን።

ኣብ ካልእ ናይ ቅድድም ብሽክለታ ዜና፣ ኣብ መበል 106 ውድድር Liège-Bastogne ዝተሳተፈ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ካዛኪስታናዊት ክለብ ኣስታና፣ መርሃዊ ቅዱስ፡ መበል 59 ተርታ ሒዙ፡ ንውድድሩ ወዲኡ።

ኣብ መበል 103 ቅድድም ብሽክለታ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ዝሳተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤን.ቲ.ቲ. ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ዝሳተፎ ዘሎ፡ ብቀዳም 3 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሞንርያለ ኣብ ዝተኸፍተሉ፣ 15.1 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነበሮ ናይ መኽፈቲ ውድድር ክሮኖሜትር፡ ካብ ቀዳማይ 1 ደቒቕን 29 ካልኢታትን ድሒሩ መበል 70 ደረጃ ሒዙ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ጂሮ ዲ ኢጣልያ ክሳተፍ መደብ ሒዙ ዝነበረ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ኮፊዲስ ናትናኤል ብርሃነ፡ ብዘጋጠሞ ናይ ቪዛ ምድንጓያት ካብ’ዚ ዓቢ መድረኽ ከም ዝቦኸረ ተፈሊጡ። ብዘካ’ዚ ናትናኤል ቅድሚ ሰሙን’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ክሳተፍ ከም ዘይከኣለ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ክ/ሰ ንቅድድም ብሽክለታ፣ ኣትለቲክስን ኩዕሶ እግሪን ዘጠቓለለ ሰሙናዊ ጸብጻብ ስፖርት ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወና ክቐርብ እዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Thank you for providing us with timely news.