ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን፣ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ፊልም HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ኮይና

Radio Erena: 24 May 2021

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣይዳ ዑስማን ኣብ መርበብ ተለቪዥን HBO ፈጻሚት ኣርታዒት ጽሑፋት ድራማ ክትከውን በቒዓ::

ኣይዳ ዑስማን፣ Issa Rae ኣብ ዝተባህለት ኮሜዲያዊት ፊልም ከምኡ’ውን Rap Sh*t ዝተባህለት ድራማ ካልኣይቲ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ንምዕዋይ ተዳላያ ትርከብ::

እዛ ጓል 23 ዓመት መንእሰያ፣ ኣብ Netflix ናይ እትቐርብ ዘላ Big Mouth ድራማ’ውን ጻሓፊት እያ::

ኣይዳ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ፣ ካብ ዝርከቡ ጸሓፍትን ኣርታዕትን ሓንቲ ካብቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ምዃና፣ ንታሪኽ እዛ መንእሰይ፣ ኣብቲ ንፍሉጣን ሃብታማትን ሰባት ብምትኳር ዝዳሎ መጽሔት ፎርብስ፣ ዘስፈረት ጋዜጠኛ ካሪን ኢልዶር ትገልጽ::

ኣይዳ፣ ካብ ኣቡኣ ጎይቶኦም በርሀ ኣዲኣ ሰሚራ ዑስማን፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዋሺንግተን ዲሲ ተወሊዳ፣ ኣብ ሊንከን ኔብራስካ እያ ዓብያ::

ንሳ፣ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ናይ ዘሎ ትምህርታ፣ ኣብ ከተማ ሊንከን ዝተኸታተለት ኮይና፣ ካብ ዩኒቨርስቲ ኔብራስካ ብፍልስፍና’ያ ተመሪቓ::

ዝንባሌኣ ኣብ ምጽሓፍ: ምውሳእን ኮሜዲን ብምንባሩ፣ ሂወታ ብእኡ ክትመርሕ ስለዝመረጸት ድማ፣ ክሳብ ምስ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ፊልም ክትሰርሕ በቒዓ::

ኣስታት44 ሚልዮን ዓማዊል ዘለውዎ HBO ኣብ ሕ.መ. ኣመሪካ ዝመደበሩ ከፊልካ ዝርአ መርበብ ተሌቪዥን ኮይኑ፣ ዝበዝሕ መደባቱ ኣብ ምዝንጋዕ: ፊልም: ኮሜዲን ድራማን ዘተኮረ እዩ::
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ብዙሕ ዘሕጉስ ወረ፣ ዓወትን ጥዕናን ድማ ይምነየላ ኣሎኹ።
    ግን ስለምንታይ ደኣ ብሽም ኣቦኣ ክትጽዋዕ ዘይደለት፣ ጎይትኦም በርሀ ሎሚ ኣቡአ ንድመጽእ ጊዘ ድማ ኣቡአ ኢዩ።