ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ

Radio Erena: 24 May 2021

ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢሩ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኢድ ክህልዎም ይክእል’ዩ ዝተባህሉ ሓለፍቲ ጸጥታን ሚሊሻን ክልል ኣምሓራን ህወሓትን’ውን በዚ ናይ ቪዛ እገዳ ተጸልዮም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቲ ምምሕዳር፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ መገሻ እገዳ ዘተግበረ፣ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።

ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ብ20 ግንቦት ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብዝቐልጠፈ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ትግራይ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ወገናት ክትሕተቱ ከምዘለዎም’ውን ኣስሚርሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ዝልኣኽ ረዲኤት ካብ ምዕጋት ክቑጠቡ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ መሰናኽል ክቕጽል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ገበናት፣ ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረ ዝብል’ውን ካብቲ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ፣ ብምልኣተ ጉባአ ዘሕለፊ ውሳኔታት’ዩ።

ባይቶ ሰነት ኣመሪካ ዘሕለፎ ውሳኔታት፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ እንተዘየውዒሎሞ፣ ኣመሪካ ዝተፈላለየ ስጉምታት ክትወስድ ከምእትኽእል ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ገለ ካብኡ ድማ ናይ ፖሊሲ ምቅይያርን ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ እገዳታት ምንባርን ምዃኑ፣ ፎረይን ፖሊስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፉሩ ይርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0