Radio Erena: Tuesday, 30 January 2024
ኤርትራን መንግስቲ የመንን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ከምዝተለዋውጣ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ዝተዘራረባሉ፣ ጎኒ ጎኒ‘ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ዋዕላ ሻራ ዘይብለን ሃገራት‘ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ የመናዊ መዘንኡ ኣሕመድ ቢን ሙባረክ፣ ብ19 ጥሪ ብኣካል ምርኻብ ነቲ ዘተ ከምዘካየዱ‘ውን እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ የመን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣረጋጊጹ።
ኣብ መንግስቲን ሓይልታት ሑቱን፣ ተገማሚዓ እትርከብ የመን፣ ጸጥታ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ብዘይምኽኣላ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ‘ዩ ዝግለጽ።
ብፍላይ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስን ክሊ ማይን የመን፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ‘ቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ‘ዩ ዝርከብ።
ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርከብ መንግስቲ፣ ብስዑዲ ዓረብ ክድገፍ እንከሎ፣ ሑቲ ድማ ብኢራን ከምዝሕገ‘ዩ ዝንገረሉ።
ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ፣ ኣብ 2015 ኣንጻር ሑቲ፣ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈተትሉ፣ ኤርትራ‘ውን ኣብ ጎነን ብምስላፍ፣ ክሊ ኣየርን ባሕራን ንሎጂስቲክን መጥቃዕን እቲ ልፍንቲ ከምዘፍቀደት ይዝከር።
===================
COMMENTS