ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ንሓደ ኣባሉ ብሓይሊታት ጸጥታ ኣሲሩ ናብ ኤርትራ መሊሲዎ

Radio Erena: 02 August 2019

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኢሳይያስ ንዝተባህለ ሰራሕተኛ እቲ ኤምባሲ ብሓይሊታት ጸጥታ ኣሲሩ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶ እቶም ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቲ ኢሳይያስ ዝተባህለ ሰራሕተኛ ናይቲ ኤምባሲ ብትእዛዝ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ተኣሲሩ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሰ እንተዘይኮይኑ፣ ምኽንያት መእሰሪኡ ኣይተፈልጠን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣምባሳደራቱን ሰራሕተኛታት ኤምባሲን ናብ ኤርትራ ብምጽዋዕ ክኣስሮም እዚ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

ኣቐዲሙ፣ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ)፣ ብዝተዋህቦ ትእዛዝ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሱ ተኣሲሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ፣ ሃና ስምኦን’ውን ኣብዚ ቕንያት’ዚ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ድሕሪ ዝቐረበላ ጻውዒት፣ ናብ ኣስመራ ተመሊሳ ድያ ወይስ ናብ ካልእ ሃገር ኮብሊላ ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Kiflom mokonen 5 years ago

    Eseyas men eyu 2 eseyas alewo