Radio Erena: Tuesday, 20 February 2024
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ርዋንዳ፣ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ ብመንገዲ ወደብ ሞምባሳ ናይ ኬንያ ብሓድሽ ኣማራጺ፣ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ክረኽባ ይጠልባ ምህላወን ኣፍሊጠን።
እዘን ንወደባት ታንዛንያ፣ ኬንያን ሱዳንን በብዝጥዕመ መንገዲ ዝጥቀማሉ ዘለዋ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝሽምትኦ ይኹን ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝልእከኦ ደረቕን ፈሳሲን ነገራት፣ ልዕሊ 1200 ኪሎሜተር ከጎዓዕዛ‘የን ዝግደዳ።
እዘን ሃገራት፣ ነዚ ከቓልል ይኽእል‘ዩ ዝበልኦ ድማ፣ መንግስቲ ኬንያ፣ ብወገን ሰሜን ሓደሽ መስመር ብምኽፋት፣ ወደባት ሞምባሳን ዳር– ኤ – ሰላም ናይ ታንዛንያን ዘራኽበሉ፣ ኣብ ሰሜናዊ ናይሮቢ ኣብ እትርከብ፣ ናይቫሻ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፣ መኻዚኖታትንን መናሃርያ ናይ ጽዕነት መካይንን ክኸፍት‘የን ሓቲተን።
መንገዲ ባቡር የጣጥሕን ተወሳኺ ባጎኒታት ንምውፋርን ኣብ መስርሕ ከምዘሎን ዝገለጸ መንግስቲ ኬንያ፣ ነቲ እማመ እኳ እንተነጸጎ፣ ካብ ወደብ ሞምባሳ ዝተራገፈ ጽዕነት ይኹን ናብዚ ወደብ ዝመጽእ ደረቕን ፈሳሲን እዘን ሃገራት፣ ደው ከይበለን ብቐጥታ ካብዘን ሃገራት ዝመጽኣሉ ወይ ናብዘን ሃገራት ብቐጥታ ዝኣትወሉ መንገዲ ከተኣታትወለን ምዃኑ ተመባጺዑ።
ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ፣ ርዋንዳን ደቡብ ሱዳንን ምስ በዓል መዚ ወደባት ኬንያ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዝያዳ ይመያየጡ ከምዘለዉ ዘ ኢስት ኣፍሪካን ኣመልኪቱ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ውሑስን ኣተኣማማንን‘ዩ ዝብልኦ ወደባት ኬንያን ታንዛንያን፣ ብቀዳምነት ክግልገላሉ እንከለዋ፣ ካልእ ኣማራጺታት‘ውን የናድያ‘የን።
ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ‘ውን ንወደብ ሞምባሳ ናይ ኬንያ ክትጥቐመሉ እትኽእል ኣማራጺታት ክትፍትሽ ጸኒሓ‘ያ።
ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ዝኸተመቶ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ጎአንጽ ከየለዓዕል፣ ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
===============
COMMENTS