ኣፍሪቃ፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብ24% ክብ ኢሉ

Radio Erena: 13 July 2020

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ይዓርግ ምህላዉ፣ ማእከል ምቁጽጻር ተላባዕቲ ሕማማት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ’ቲ ትካል፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ጥራይ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብ24 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ዘባት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ።

ዳይረክተር ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ከንጋሶንግ፣ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኮሮና ቫይረስ ብፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዕቱብን ቅልጡፍን ስጉምቲ ክወስዳ ተላብዩ።

 

ናይ ገጽ ማስከራ፣ ምፍንታት፣ ኣእዳው ብቀጻሊ ምሕጻብ ዝብሉ መሰረታውያን ናይ መከላኸሊ ስጉምታት ክትግበሩ ዝተማሕጸነ እቲ ዳይረክተር፣ በቲ ሕማም ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ንምልላይ ዝግበረ ፈተና እውን ክዛይድ ጸዊዑ።

እንተኾነ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ምስ ድኽነት፣ ዋሕዲ ሓበሬታን ደረጃ ኣፍልጦ ሕብረተሰብን ተኣሳሲሩ፣ ኣብ ምክልኻል’ቲ ተላባዒ ሕማም ዕዉት ስጉምቲ ክወስዳ ኣይረኣያን።

ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፣ ውልቀ ምልካውያን ስርዓታት ዝነገሰለን ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ብዙሓት ብምዃነን፣ እቶም ውልቀ መለኽቲ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከም ስዉር ምረቓ ብምርኣይ ንውልቃዊ ረብሓታቶም ከውዕልዎ እዮም ተራእዮም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    ስሓቕ ቀቲልኩምና፡
    እቶም ንኣፍሪቃ ዝምዕዱ ዘለዉ መዓድቲ፡ ኣበየናይ ዓለም እዮም ዝነብሩ? ተስፋ’ገብር ካብ ኣሜሪካ ወይ ኣውሮጳ ዘለዉ ንኸይኮኑ።
    እንተ ንስኹም ትፋእ ከተልምጹ ስለዝተፈጠርኩም፡ ከም ፓፓጋሎ ክትደግሙ ክትነብሩ ኢኹም። ሞሻሙሽ ስለዝኾንኩም ግን ካልእ ካባኹም ንጽበዮ የብልናን።