ኢትዮጵያ፣ ሰበስልጣን-ነበር ተዋሂቡዎም ዝነበረ ኣባይቲ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ኮይኑ

Radio Erena: 13 July 2020

ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ሰበስልጣን ነበር፣ ብመንግስቲ ዝተዋህቦም መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተሓደጉ፣ ዘ ሪፖርተር ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣመልኪቱ።

ብመሰረት’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣቶ ስዩም መስፍን፣ ከምኡ’ውን ዳይረክተር ሰላምን ጸጥታን ዝነበረ ኣቶ ስብሓት ነጋ፣ ብመንግስቲ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣባይቶም፣ ናብ መንግስቲ ተመላሲ ኮይኑ’ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ውሳኔ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ እዚ ጥሮታ ንዝወጹ ሰበስልጣን ነበር ዝወሃብ ሓለፋታት ተመላሲ ዝገብር ሕጊ፣ ቅድሚ ሓያሎ መዓልታት ከምዘሕለፎ እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ስልጣና ዝተኣልየት ሚኒስተር ኢዱስትሪ ነበር ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር እውን፣ ተዋሂቡዋ ዝነበረ መንበሪ ገዛ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ከምዝኸውን ተገይሩ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር፣ እቶም ሰለስተ ሰበስልጣን ነበር፣ ዝተዋህቦም ኣባይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክነሱ፣ ንሳቶም ግና መነባብሮኦም ኣብ ትግራይ ብምዃኑ፣ እቲ ናይ መንግስቲ ኣባይቲ ኣዝማዶም ክነብሩሉ ከምዝጸንሑ’ዩ ዝግለጽ።

ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ፣ እዚ ምምላስ ንብረት መንግስቲ ካብ ሰበስልጣናት ነበር፣ ሓላፍነት ዝወስደሉ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምውሳኑ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ናይ መንግስቲ ዘገልገሉ ውልቀ ሰባት፣ ብምኽንያት ጡሮታ ካብ ስልጣኖም ኣብ ዝፋነዉሉ እዋን፣ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ኣባይቲ፣ ናይ ገዛ መኪናን፣ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ክረኽቡ፣ ዝብሉ ሓለፋታት ይግበረሎም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0