ኣይ.ኦ.ኤም. ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ መዓስከራት ክኸዱ ምስ መ.ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ንዝብል ክሲ ነጺጉ

Radio Erena: 13 December 2020

ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም.) ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ መዓስከራት ክኸዱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ንዝብል ክሲ ነጺጉ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሓተቶ መሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንግዚኡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዕቋቡ እንተዘይኮኑ፣ ንጥፈታቱ ኣብታ ሃገር ደስኪሉ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ኣይ.ኦ.ኤም.፣ ኣብ መዓስከራት ንዘጋጠሞም ሕሰም ንምምላጥ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምቕያድ፣ በስገዳድ ናብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ዝርከብ መዓስከራት ንክኸዱ ምትሕብባሩ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።
ወሃቢት ቃል’ቲ ትካል ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ካብ መጀመሪያ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፣ ነቲ ከካዪዶ ዝጸንሐ መጽንሒን መሰጋገሪን ማእከላት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ድሕሪ ምግላጽ፣ ምሉእ ብምሉእ በቲ መንግስቲ ይካየድ ከምዘሎ ኣመልኪታ።
ብዋሕዲ መግቢ፣ ማይን መሰረታዊ ቀረባትን ምስቓይ ጥራይ ከይኣክል፣ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ዝተቐርቀሩ ኤርትራውያን፣ በብዝጥዕሞም መንገዲ ብፍኑው ናብ ከተማታት ክኣትዉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከካብ ዝተረኽቡዎ ገፊፉ ናብቲ መዓስከራት ይመልሶም ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ረዲኤት ንዝተጸገሙ ዝውዕል ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝጀመረ ኣህጉራውያን ትካላት ረዲኤት ሓቢረን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ንሱ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ጥራይ ረዲኤት ክዕደል ምውሳኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን’ዩ ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ንመጀመሪያ ግዜ እቲ ረዲኤት ዝኣቱ ዘሎ።
እዚ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ረዲኤት፣ ብዓቢኡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ሕክምናዊ መሳርሒን መድሃኒታትን ግዚያዊ ፍታሕ ከምዝኸውን ይግለጽ።
‘ሰብ ሞያ ሕክምና’ቲ ዞባ፣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ውሳኔታት ኣብ ምውሳድ እዮም ኣትዮም ጸኒሖም’ ድሕሪ ምባል ኣህጉራዊ ትካል ቀይሕ መስቀል፣ እቲ ናውቲ ሕክምና መጠን ሞት ቁሱላት ከጉድል ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።
እንተኾነ መራኸቢ መስመራት ገና ብግቡእ ስለዘይጀመረ፣ ንመጠን’ቲ ወሪዱ ዘሎ ግፍዒ፣ ዝርጋሐ ረዲኤትን ዝኣመሰሉ ጉዳያትን ንምጽራይ፣ ግሉጽነት ዝጎደሎ ምዃኑ ቀይሕ መስቀል የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    Our flight is on December 7 but they closed i.o.m how are we going to Canada????? What is the solution????

  • comment-avatar
    ልዋው ጸጋ 3 years ago

    አነ ብወገነይ ይድግፎ እየ ንነብሶም ድሕነት ክባሃል፤ ቐጺሉ ኸአ ቀታሊኦም ኮነ ጨዋይኦም ዘይፍለጥ ኤርትራ ጌራቶ እናበሉ ሽምና ከጥፍኡና ዕድል የብሎምን።

  • comment-avatar
    ቀላቲ ተወልደ 3 years ago

    ኣብይ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓቢሮም የካይድዎ ስለዘለዉ ስለዚ ኦሮማይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ኽሓድሩ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ ኢሰያስ ዝኣተዋ ዓዲ ሰላም ክትረክብ ዘበት ቅብጹ።