ሶማል፤ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ክትወስድ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 13 December 2020

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ሶማል ክትስሕብ ድሕሪ ዘሕለፈቶ ውሳኔ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ክትወስድ ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣመሪካ ካብ መጀመሪያ ዕለት ናይ 2021 ኣትሒዛ ሰራዊታ ክትስሕብ ምዃና ቤት ጽሕፈት ምክልኻል’ታ ሃገር ድሕሪ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ፣ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብሸውዓተ ታሕሳስ ነዚ መግለጺ ዘውጸአ።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ ኣመሪካ ኣጋር ሰራዊታ ካብ ሶማል ኣውጺኣ ማለት እቲ ኲናት ኣብቂዑ ማለት ከምዘይኮነ፣ ነቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተካዪዶ ዝጸንሐት መጥቃዕታት ከም ኣብነት ብምቕራብ እዩ ክስታቱ ዘስምዕ ዘሎ።
ኣመሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ማለት ድሮን ኣብ ዘካየደቶ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ መጉዳእቲ፣ ክሳብ ንኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣውነት ዝጥሕስ ገበናት ከምዝተፈጸመ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ እዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝጸንሐ ሰለስተ ሽሕ ዝኣክል ሰራዊታ ክትስሕብ ምውሳና ዝዝከር’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0