ኣኽባሪ ሕጊ ሽወደን፣ ብጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ኣንጻር ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዘየጻሪ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 13 January 2021

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ሽወደን፣ ብጉዳይ እቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምእሳሩ፣ ን20 ዓመታት ደሃዩ ጠፊኡ ዘሎ፣ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝተመስረተ ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዘየጻሪ ብ12 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ነቲ ብጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተመስረተ ክሲ፣ ዘየጻርየሉ ምኽንያት፣ “ሰበ ስልጣን ኤርትራ ክተሓባበሩ ፍቓደኛታት ኣይክኾኑን’ዮም” ብዝብል ምዃኑ፣ ሓደ ካብቲ ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ክከታተል ዝጸንሐ፣ ወኪል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብዮርን ቱምባክ ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ብ21 ጥቅምቲ ዝተመስረተ ክሲ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ፣ ናብ ሽወደን ኣብ ዝገሽሉ እዋን፣ ብፖሊስ ተታሒዞም፣ ብዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቕ መርመራ ክካየደሎም ዝጠልብ’ውን’ዩ ኔሩ።

ነቲ ክሲ፣ ንስልማት ኖቤል ተሓጽያ ዝነበረት ኢራናዊት ሺሪን ዔባዲ፣ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ናቪ ፒላይ፣ ዳኛ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ፕረዚደንት ናይቲ ኣብ ጉዳይ ርዋንዳ ዝቖመ መጋብኣያን ሚኒስተር ፍትሒ ካናዳን ዝነበረ ኢርዊን ኮትለር፣ ክኢላን ኣማኻሪን ሕጊ ኤርትራዊ ዳኒኤል ረዘነ፣ ኣደ መንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፓንስይ ትላኩላን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝኸተምሉ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፣ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ሽወደን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ብመሰረት ዝረኸቦ ሓበሬታ፣ ከበድቲ ገበናት ከም እተፈጸመን ዝኣምን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝቐረበ ክሲ ግና ከጻሪ ከምዘይክእል ኣነጺሩ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ፣ ንዳዊት ኢሳቕ ሓዊስካ፣ ልዕሊ 16 ጋዜጠኛታት፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕን ፍርዲን ተኣሲሮም፣ ንኣስታት 20 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ምስ ሻዕብያ ምግጣም ነብሰ-ቅትለት ምዃኑ ኣሚኖም ነብሶም ኣውጺኦማ ጸዓዱ ጎርሓት። እምበር ዘኸድመኩም ዝንበረ ወያነ ዕደ ደኣ ኣደብ ጌሩ ንሻዕብያ ከይምእዘዝ እንሆ ተራእዩ ብዘይፍለጥ ውርደት ካብ ምድሪ ዓለም ከም ዳይኖሶር ጸኒቱ። ዋይ ውርደት!!

  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    ኣታ መን ክሓፍረሉ’ዩ መን ክሓፍረሉ’ዩ መን ክሓፍረሉ’ዩ መን ክሓፍረሉ’ዩ ነዚ ወያነ? ዋይ! ዋይ! ዋይ! ዋይ! ዋይ! ዋይ! ዋይ ውርደደደደደደደደደደትትትትትትትትትትትት!!!!!!!