ኣብ ፍሉይ ከባቢታት ከተማ ኣስመራ፣ ካብ ንቡር ንላዕሊ ሓለዋ ይካየድ

Radio Erena: 29 September 2019

ኣብ ፍሉይ ከባቢታት ከተማ ኣስመራ፣ ካብ ንቡር ንላዕሊ ሓለዋ ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ፣ ብፍላይ ኣብ ከባቢ’ቲ ብ ‘እንዳ ጀነራላት’ ዝፍለጥ ካብ ላየን ሆቴል ሓሊፍካ ናብ እንዳ ስፐይስ ዝወስድ መንገዲ፣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ ንመካይን እውን ደው እንዳበሉ ተፍትሽ የካዪዱ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።

እዚ ኣብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝካየድ ዘሎ ጽኑዕ ሓለዋን ምክትታልን ቀንዲ መንቀሊኡ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ነቲ ኣብ እዋን ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ግዜ የዘኻኽሮ ከምዘሎ ብዓውታ ይዛረበሉ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣሕምልትን ፍረታትን ብመንግስቲ ብዝተወሰነ ዋጋ ክሽየጥ ምውሳኑ፣ ኣብ ከባቢ ሹቕ ንዝርከብ ቦታታት ዕዳጋ ኣጸምዩዎ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ቀንዲ ዕላማ’ቲ መንግስቲ ዕዳጋ ንምርግጋእ ዘይኮነ፣ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝተዋደደ፣ ዝደጋገም ሜላ ሙዃኑ ይገልጹ።

እዚ መንግስቲ ተሚኑዎ ዘሎ ዋጋታት፣ ኣብ ኮሚደረ-ሽጉርቲ ክሳብ ምውራድ ዝበጽሐ ኮይኑ፣ ምስቲ ዋሕዲ ዝርጋሐ ማይን ኤለክትሪክን ተሓዊሱ፣ ከተማ ኣስመራ ክትነብራ ዘይትከኣል ኮይና ከምዘላ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    wedinakfa 5 years ago

    Rabbis dogs bark incessantly the camel marches stridently!!

  • comment-avatar
    ኣስመራ 5 years ago

    ሓሳዊ ሓሳዊ ሓሳዊ ሓሳዊ………