ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል፣ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ

Radio Erena: 25 April 2019

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ 24 ሚያዝያ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።

ንሱ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ሊብያን ብዝምልከት ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፍ’ዩ ናብ ኤርትራ ኣቕኒዑ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጸንሐሉ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዋዕላ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይዱ።

ብዘይካ’ዚ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ሶማል ዘለዋ መርገጺ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሶማሊላንድን ኤርትራን ግብጺ ከምዝበጽሑ ዝዝከር’ዩ።

እዚ ናይ ሎሚ ዑደት ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኤርትራ ድማ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ርክባት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሶማሊላንድን፣ ኤርትራ ኣብ ሓድነት ሶማል ዘለዋ መርገጺ ብዝምልከት ተወሳኺ ዝርርባት ንምክያድ ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Snakedoc 5 years ago

    ካብ ግብፂ ምባል : ብ ምስሪ  እንተትእርምው ትክክል ምኾነ :