ኢትዮጵያን ቻይናን ናይ 1.8 ቢልዮን ዶላር ናይ ወፍሪ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: 25 April 2019

ኢትዮጵያን ቻይናን፣ ኣብ ምዝርጋሕ ምስፋሕ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ዝውዕል ናይ 1.8 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዝኸተማ ተሓቢሩ።

ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ፣ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ በልት ኤንድ ሮድ ንምስታፍ፣ ናብ ቻይና ኣምሪሑ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢፒንግን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ድሕሪ ዘካየዶ ርክባት’ዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፣ ብዘይካ’ዚ ነታ ሃገር በብእዋኑ ዘጋጥማ ዘሎ ዋሕዲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ንካልኣይ ገጽ ምዝርጋሕ መንገዲ ባቡር’ውን ልዑል ግደ ክህልዎ ትጽቢት ኣሎ።

ቻይና፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ምህናጽን ምዝርጋሕ መንገዲ ባቡር፣ ጽርግያታትን ካልእ ናይ ህንጻ ስርሓትን፣ ኣብ ጸዓትን ኤሌክትሪክን’ውን ናይ ቢልዮናት ወፍሪ ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ቀረብ ኤሌክትሪክን ካልእ ኣቑሑን ናይቲ ተሰናኹሉ ዝርከብ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ከተውፍር ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ከምዝኸተመት ኣይርሳዕን።

ቻይና፣ ንኢትዮጵያ ብናይ ቢልዮናት ዶላር ዕዳን ልቃሕን ትሓንቃ ምህላዋ፣ ንመጻኢ ከቢድ ቁጠባዊ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ የጠንቕቑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0