ኣብ ዕረፍቲ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዘጽቀጠ ሲነዶስ ኤርትራ፣ ብሞት ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ

Radio Erena: 10 March 2022

ንኣስታት 16 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ፣ ፓትሪያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣብነ እንጠንዮስ ምስ ዓረፉ ናይ ሓዘን መግለጺ ኮነ መልእኽቲ ዘየመሓላለፈ፣ ሲነዶስ ኤርትራ፣ ብሞት ፓትርያርክ ኢትዮጵያ፣ ኣቡነ መርቃርዮስ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ልኡኹ።

መሳርሒ ህግደፍ ብዝኾኑ ጳጳሳት ከምዝቖመ ዝንገረሉ ሲነዶስ፣ ብስም እሞ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሓምሻይ ፓትርያርክ ዝተሰየሙ ኣቡነ ቄርሎስ ኣቢሉ፣ ብ10 መጋቢት፣ ናብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፣ ብሞት እቶም ኢትዮጵያዊ መራሒ ሓይማኖት ዝተሰምዖ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Stefanos Temolso 2 years ago

    ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኦርቶዶክሳዊ መሪሕነት ናይ ኣምላኽ ዘይኮነ ናይ ውልቀመላኺ ምጋበርያ እዩ። ስለዚ፡ ኢሰያስ ክሳዕ ዘሎ ክገርመና የብሉን ገና ካልእ ክንርእን ክንሰምዕን ኢና።