ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝተኸስተ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል 85 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ

Radio Erena: 10 March 2022

ሕቡራት ኢማራር ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል 85 ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ከምዝለገሰት፣ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት፣ ማርቲን ግሪፍትስ ገሊጹ።

እቲ ሓገዝ፣ ብመንገዲ ውድብ መግቢ ዓለም፣ ዩኒሴፍ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዘለዉ ግዳያት ሰብኣዊ ቅልውላው ክበጽሕ’ዩ።

ሚኒስተር ዴ ‘ታ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ሕቡራት ኢማራት፣ ሸኽ ሻክቡት ቢን ናህያን ቢን ሙባረክ ኣል ናይሃን፣ በቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሃገሩ ርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብተገዳስነት ከምእጥምቶ ኣረጋጊጹ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፖለቲካዊ፣ ወትሃደራውያን ቁጠባውን መዳያት ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ተመሊስሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብሰንኪ ምልካውያን ስርዓታት፣ ኵናትን ጥሜትንን ህዝቢ እቲ ዞባ ግዳይ ስደትን ምፍንቓልን ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ከም ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ደርቂን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ዝኣመሰለ ባህርያዊ ክስተታት’ውን ንሚልዮናት ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጸበይቲ ረዲኤት ጌርዎም ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0