ኣብ ኤርትራ ዝነጥፍ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኣውስትራልያ ይንቀፍ

Radio Erena: 20 October 2019

ኩባንያ ዕደና ፖታሽ ደንካሊ ነቲ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ካሉሊ ደንካልያ ( ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ) ዘካይዶ ዘሎ ዕደናን መኽሰቡን ንኤርትራውያን ዘለዎ ጉድኣት ከም ዝዛይድን ደው ክብልን፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ ገሊጾም።

ነቲ ኩባንያ ኣብ ቤት ፍርዲ ንምኽሳሱ ዘድሊ መርትዖ ኣብ ምእካብ ከም ዘለው እውን መምህር መሓመድ ዑመርን ኣቶ ሳላሕ ዓብዱልራሕማንን ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ገሊጾም።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2010 ጀሚሩ ምስ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ብማዕረ ማለት 50% እጃም ዘለዎ ኩባንያ ዕደና ፖታሽ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሰላስሎ ዘሎ ዕደና ብመንገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝሽፍኖን፣ ንክኢላዊ ዓቕሚ ብዝምልከት ድማ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ካልእ ኩባንያ ከም ዝሽፍኖን ይግለጽ።

እዚ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ 2022 ሰደድ ዝጅምር ኩባንያ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ካፒታል ሒዙ እኳ እንተ ተበገሰ ፍርያቱ ንዕዳጋ ካብ ዝቐርበሉ ግዜ ጀሚሩ ግን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዓመታዊ መኽሰብ ክሓፍሰሉ ከም ዝኽእል ይንገር።

እቲ ኩባንያ፣ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ መኽሰብ ክሕወሱ ሓደስቲ ዓደግቲ ብርኪ ንምስሓብ የወዓውዕ ከም ዘሎን እዚ ድማ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝጎዶሎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ ባይታ ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዝመዛ ጉልበትን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ዓመታዊ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ገሊጾምሎም ኔሮም።

ከምኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ተረባሒ ናይቲ ካብ መሬቱ ዝፈርይ ዘሎ ምህርቲ ተጠቃሚ ብዘይምዃኑ፣ ዓደግትን ኣውፈርትን፣ ብርኪ ናይቲ ኩባንያ ከይገዝኡ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ኣተሓሳሲቦም።

እንተኾነ እቲ ኩባንያ ነቲ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ‘’ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ እዩ፣ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ዘይርጉእነትን ምግሃስ ሰብእዊ መሰላትን የለን’’ ብምባል ከም ዝነጽጎ እቶም ኤርትራውያን ብምግላጽ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ ዘኽእሎም መሰኻኽር ኣብ ኩሉ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምትሕብባር ክግበረሎም ሓቲቶም ኣለው።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    ኣንቱም ሰባት፡
    እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ቢሻ ዕደና በቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ናይ ሕጊ ሰባት ዝርከብዎ ኣብ ካናዳ ክግበር ተፈቲኑ፡ እሞ ድማ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ዓለም ብዓለማ እዝና ኣጽሚማ ኢዱ ጠውያ ክትድክሮ ከላ ዘይሰለጠስ፡ ሕጂ በዞም ቁምነገር ዘይብሎም ቁንጣሮ ዘይኣኽሉ ዓቕሚ ይኹን ኣምር ዘይብሎም፡ እሞ ድማ ብኣንጻር’ቲ ናይ ቅድም ፈተነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዓለም ብዓለማ ሰጊድ ሰላም እናበለትሉ ከምዚ ጠርቋሽ ፈተነ ምፍታን ንዕራርቦኦም ጥራይ እዩ ክኸውን።
    እቲ ዝገርም ድማ ሬድዮ ኤረና፡ ያኢ “ርሑቕ ዓዲ መሓሰዊ” ኮይኑ እዞም ኣብ ኣውስትራልያ ብመልዕሎን ገሊኦም ድማ ኣብ ናይ ጽሬት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ክንዲ ቁጽሪ ኣጻብዕ ዘይበጽሑ ሃሱሳት ረኺብኩም ከም ቁምነገረኛታት ከተዛርቡስ ነቶም ኣብ ጎኒ መንግስትና ዘሎና ዘስሕቐና፡ ነቶም ከምኦም ሃሱሳት ዝፈልጥዎም ድማ መስደመምን ተስፋ ዘቑርጽን እዩ።

    • comment-avatar
      Tewelde 5 years ago

      Zitefeshe nay greek negaday si nay kedem debteru yiginxl elka zeytgedfom

  • comment-avatar

    Bsenki hesot hebereta enda hebkum seb key kawom enkfat konkumo