ስዑዲ ዓረብ ካብ ጂቡቲን ሱዳንን፣ ሸመተ ከብትን ጤለ-በጊዕን ደው ኣቢላ

Radio Erena: 18 October 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ጂቡቲን ሱዳንን ክትሽምተን ዝጸንሐት ከብቲ፣ ጤለ-በጊዕን ኣግማልን ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት፣ ኣብ ሱዳን ንእንስሳታት ዘቤት፣ ብፍላይ ድማ ከብቲ ዘጥቅዕ ሕማቕ ረስኒ ተኸሲቱ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘረጋገጸ ብምጥቃስ’ያ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ካብ ጂቡቲ ዝተላእካ ከብትን ጤለ-በጊዕን፣ ምልክታት እቲ ሕማም ስለዝተራእየን፣ ካብዘን ሃገራት ዝካየድ ሸመተ ደው ምባሉ ሚኒስትሪ ኣከባቢ፣ ሕርሻን ማይን ስዑዲ ዓረብ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ ካልእ ከባቢታትን 135 ከብትን ጤለ-በጊዕን ምልክታት እዚ ሕማም ከምዝተራእየን ጸብጻብ እቲ ሚኒስትሪ የመልክት።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ፣ 5 ሚልዮን ከብቲ ካብ ሱዳን፣ ኣስታት 700 ሽሕ ከኣ ካብ ጂቡቲ ከምዝሸመተት ትሕብር።

ካብ ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ሸመተ ከብትን ጤለ-በጊዕን’ውን ኣቐዲሙ ደው ከምዝበለ ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን፣ ካልኦት ሃገራትን ከም ኣማራጺ ኣቐሚጡወን ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0