Radio Erena: Thursday, 08 February 2024
ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ምግዕዓዝ ደረቕን ፈሳስን ነገራት ዘመላልሳ፣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝዋፈራን ኣብ ምምራሕን ምዕሻግን ናብ ወደብ ዝጽግዓን ዘገልግላ፣ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝተመዝገባ 15 መራኽብ ከምዝነበርኣ፣ ሓደ ኣባል መጓዓዝያ ባሕሪ ነበር ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ሂምቦል፣ እምባሶይራ፣ ሰላም፣ ዮሃናን ኣንጀሎስን ደንደንን ኣብ ምግዕዓዝ ደረቕ ነገራት ዝነጥፋ ሽዱሽተ መራኽብ ምንባረን ዝዘከረ እቲ ስሙ ክንዕቕበሉ ዝጠቐሰ ኣባል መጓዓዝያ ባሕሪ ነበር፣ ደንደን ኣብ 2007ብዘጋጠማ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ክትጥሕል እንከላ፣ ስማ ዘይዘከራ ካልእ መርከብ‘ውን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፣ ታንክታትን ካልእ ኣጽዋርን ጽዒና እናተጓዓዘት እንከላ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከምዝጠሓለት ጠቒሱ።
ቤሉልን መረብን ዝተባህላ መራኽብ ድማ ከም ነዳዲን ጋዝን ዝኣመሰለ ፈሳሲ ነገራት ኣብ ምምልላስ ዝነጥፋ‘የን።
ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ፣ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዓብደልቃድር ከቢረን ዝተሰምያ ኣርባዕተ መራኽብ‘ውን ኣብ ምግፋፍ ዓሳ፣ ብኣህጉር ደረጃ ዝተመዝገባ፣ ዋንነተን ናይ ኤርትራ ዝኾና መራኽብ‘የን።
ብዘይካ‘ዚ፣ ናብ ወደብ ኣብ ምጽጋዕ ይኹን ኣብ ምፍናው፣ ኣብ ምምራሕ ዓበይቲ መራኽብ ዘገልግላ፣ ብ‘ታግ‘ ዝፍለጣ፣ ሳዋ፣ ናቕፋ፣ ደጎሊ፣ ዓወትን ኣዱሊስን ዝተሰምያ፣ ብኣህጉር ደረጃ ዝተመዝገባ ጀላቡ ‘ውን ኣለዋ።
መብዛሕተን እተን ኣብ ምግዕዓዝ ደረቕን ፈሳሲን ነገራት ዘመላልሳ መራኽብ ኤርትራ፣ ኣብ 1970ታት ዝተሰርሓን፣ ምስ ናይ ኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሓን‘የን።
ካብተን ኤርትራ እትውንነን ናይ ንግዲ መራኽብ ብዕብየታ ደንደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ‘ያ ትስራዕ ኔራ። ንውሓታ 127 ሜትሮ ስፍሓታ ድማ 18 ሜትሮ ይበጽሕ ኔሩ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዘለዋ ድማ፣ ሂምቦልን እምባ ሶይራን ተመሳሳሊ ግዝፊ ክህልወን እንከሎ፣ ቁመተን 97ን 96ን ስፍሓተን ድማ 15ን 16 ሜትሮ‘ዩ።
ኤርትራ፣ ብዘይካ‘ዘን ኣብ ንግዲ ዝነጥፋ፣ ብኣህጉር ደረጃ ዝተመዝገባ15 መራኽብ፣ ሓይሊ ባሕራ‘ውን ልዕሊ 20 ዓበይቲን ንኣሽቱን ጀላቡ ኵናት ከምዝውንን‘ዩ ዝግለጽ።
===================
COMMENTS